IL ROS - Innebandy

Leder: Bjørnulf Hannevold
Telefon: 903 60 846
Kontaktperson: Bjørnulf Hannevold
Telefon: 903 60 846

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Innebandy

ኣብ ውሽጢ ህንጻ ዝጽወትዎ ዓይነት ቃርሳ (ሆኪ)፡ ካብ ፕላስቲክ ወይ ካርቦን ብእተሰርሐ ኣባትር ጌርካ ኣብ ባይታ እትጻወቶ ዓይነት ጻውቲ እዩ። እቲ መጻወቲ ኵዕሶ ነዃላት ዘለዎ ካብ ፕላስቲክ እተሰርሐ ኵዕሶ እዩ። እቲ መጻወቲ ሜዳ፡ 40 x 20 ሜተር ዝግፍሑ ዀይኑ፡ 50 ሴ.ሜ. ብዝንውሓቱ ሓጹር እተሓጽረ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ሓሓሙሽተ ተጻወትትን ናይ ቃርሳ በትሪ ዘይሕዙ ሓሓደ ፖርቴረን ኣለዎም።

ግጥም ቃርሳ ኣብ ውሽጢ ህንጻ፡ ዐዕስራ ደቒቕ ብዝንውሓቱ ሰለስተ ዙር እዩ ዝጽወት። እቲ ፖርቴረ ናይ ገጽ መሸፈኒ ቈብዕ ይገብር እዩ፣ እቶም ትሕቲ 19 ዓመት ዝዕድሚኦም ተጻወትቲ ኸኣ ናይ መከላኸሊ መነጽር ይገብሩ እዮም። እቶም ተጻወትቲ ካልእ ናይ መከላኸሊ ናውቲ ስለ ዘይክደኑ፡ ኣዝዮም ተቐራሪቦም ኽጻወቱ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ነታ ኵዕሶ ኣብ ናይ መጋጥምትኻ ሰክዔት ብምእታው ሸቶ ይቝጸር። ሸቶ ከተእቱ እትኽእል ነታ ኵዕሶ በቲ መጻወቲ በትሪ ጌርካ ናብ ሰክዔት ምስ እተእትዋ ጥራይ እዩ፣ እቲ ፖርቴረ ጥራይ እዩ ኵዕሶ ብኢዱ ኽሕዝ ዝፍቀደሉ። ብዙሕ ሸቶ ዘመዝገበ ጋንታ ኣብቲ ግጥም ይዕወት። ኣብ ሰለስተ ዙር ማዕረ ሸቶ እንተኣልይዎም፡ ተወሳኺ 10 ደቒቕ ይወሃቦም። ሕጂ እውን ማዕረ ሸቶ እንተ ኣልይዎም፡ እቲ ጻውቲ ብፍጹም ቅላዕ (ሪጎረ) ይውሰን።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja