IL ROS - Boksing

Leder: Tomm Sande
Telefon: 474 87 210
Kontaktperson: Tomm Sande
Telefon: 474 87 210

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Boksing

ጕስጢ ኣብ መንጎ ኽልተ ተወዳደርቲ ዝግበር ዓይነት ማርሻል ኣርት እዩ። ኣብ ውድድራት፡ እቶም ኣትለታት ናይ ጕስጢ ጓንቲ ይገብሩ፣ ቅልስን ብእግርኻ ምርጋሕን ከኣ ክልኩል እዩ። ኣብ ቅልስ ኣካላት ክትቈጻጸር ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ፣ ኣካላትካ ምውህሃድ፡ ዳግም ምንቕቓሕ፡ ሚዛንካ ምሕላው ዝኣመሰለ ነገራት ከኣ በቲ ናይ ጕስጢ ስልጠና እትረኽቦ ትምህርቲ እዩ።

ናይ ጕስጢ ግጥም ኣብ ዓንኬል መጓሰጢ ኣቲኻ እትጻወቶ ዀይኑ፡ እቲ ዕላማ ድማ ንመጋጥምትኻ ኣብ ላዕለዋይ ሸነኽ ኣካላቱ ብምህራም ምስናፍ እዩ። ነቲ መጋጥምትኻ ከተዘርረሉ እትኽእል እተፈላለየ ሜላታት ጕስጢ ኣሎ። ኣብ ደረጃ ናይቲ ግጥም ጕስጢ መሰረት ገይሩ፡ እቲ ውድድር ካብ 2-3 ደቒቕ ዝንውሓቱ ካብ 3-10 ዙር ይህልዎ። መራሒ እቲ ግጥም ኣብ ውሽጢ እቲ ዓንኬል ጕስጢ ኣትዩ ነቲ ግጥም ይመርሕ፡ ካልኦት ዳያኑ ኸኣ ኣብ ዙርያ እቲ ዓንኬል ብደገ ዀይኖም ነቲ ግጥም እናረኣዩ ነቲ ጕስጥታት ይግምግሙን ነጥቢ ይህቡን። እቲ ብሉጽ ተጓሳጣይ ደድሕቲ ነፍሲ ወከፍ ዙር ግጥም 10 ነጥቢ ይረክብ፡ እቲ ተጓሳጣይ ብድምር ነጥቢ ወይ ነቲ መጋጥምቱ ብምዝራር ይዕወት። ብምዝራር ምስዓር ክብሃል ከሎ፡ እቲ ሰዓራይ ንመጋጥምቱ ናብ መሬት ኣውዲቑ ክዝርሮ ኸሎ ወይ ከኣ እቲ መጋጥምቱ ናብ መሬት ምስ ወደቐ እሞ ክሳዕ ዓሰርተ ሰከንድ ምስ ተቘጽረሉ ምትንሳእ ክስእን ከሎና እዩ። እቲ መጋጥምቲ ነቲ ግጥም ክቕጽሎ እንተ ዘይክኢሉ፡ እቲ ሓደ ይስዕር።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja