Snøgg - Bryting

Leder: Kenn Roger Eriksen
Telefon: 913 84 398
Kontaktperson: Kenn Roger Eriksen
Telefon: 913 84 398

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Bryting

ቓልሲ ናይ ምውዳቅ ውድድር ስፖርት ኮይኑ፡ እቶም ክልተ መጋጥምቲ ኣብ ሰጥ ዝበለ ዝተነጸፈ መሬት ውድድሮም የካይዱ። ዕላማ ናይዚ ውድድር ድማ ነቲ መቀናቐንትኻ(መወዳድርትኻ) ብሓይሊ ብድሕሪቱ ናብ መሬት ብምውዳቅ ክልቲኡ መንኮቡ ኣብቲ ምንጻፍ ከም ዝትንክፍ ምግባር እዩ። ኣብ ቓልሲ እቶም ተወዳደርቲ ኩሉ ግዜ ሓደ ዓይነት ሚዛን ክህልዎም ኣለዎ።

ኣብ ጸወታ እቶም ተቃለስቲ ሰመያዊ ወይ ቀይሕ ዝሕብሩ ልብሲ ይለብሱ። ሓደ ውድድር ክልተ ጸወታታት ነፍሲ ወከፎም ድማ ሰለስተ ደቂቅ ዝሓዘ ኮይኑ ዕረፍቲ ድማ 30 ካሊኢታት ኣብ መንጎ እተን ክልተ ጸወታታት ኣሎ። ነቲ ምጋጥምትኻ ብክልተ መንገዲ ከተሸንፎ ትኽእል፡ እታ ቐዳመይቲ ነቲ መጋጥምትኻ ብሕቆኡ ብሓይሊ ምውዳቕ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ነጥቢ ብምእካብ ማለት ብምሓዝ፡ ብምስንዳው ከምኡ’ውን ብዝተፈላለዩ ኩነታት ዝርከብ ነጥቢ ምዕዋት ኢዩ። ኣብ ቓልሲ ናይ ዝተፈላለዩ ክብደት ውድድር ኣሎ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja