Nesøya IL - Ishockey

Leder: Lars Mørkås
Telefon: 469 75 252
Kontaktperson: Lars Mørkås
Telefon: 469 75 252

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Ishockey

ኣብ ናይ በረድ ጻውቲ ቃርሳ (ኢስሆኪ) ብዙሕ ተመክሮ ትረክብ ኢኻ። ብጾት ትረክብ፡ ትሕጐስ፡ ክእለትን እውን ተጥሪ። ናይ በረድ ጻውቲ ቃርሳ፡ ነቲ ኣብ በረድ ሸታሕታሕ እናበልካ እትጻወቶ ጻውትን ቃርሳን ናይ ቃርሳ ኵዕሶን ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣዝዩ ባህ ዘብል ጻውቲ እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ጻውቲ ሚዛንካ ናይ ምሕላው፡ ተዓጻጻፋይን ጽኑዕን ናይ ምዃን ከምኡውን ናይ ምውህሃድ ክእለት ከተማዕብል ይሕግዘካ እዩ። እዚ ኽእለታት እዚ ድማ ኣብ ህይወትካ ክጠቕመካ እዩ።

ኣብቲ ጻውቲ ዝሳተፉ ካብ 9-50 ዝዕድሚኦም ኣወዳትን ኣዋልድን ተጻወትቲ ኣለዉ። ገሊኦም ንመሕለፍ ግዜ ዝጻወቱ እኳ እንተ ዀኑ፡ ገሊኦም ግና ኣብ ዓበይቲ ውድድራት እውን ይሳተፉ እዮም። እዚ ግና ኣብ ድሌትካ እተመርኰሰ እዩ። ናይ ጫካ ዝግበር ግጥምን ኣብ ደገ ዝካየድ ናይ ዙር ግጥምን ኣሎና። እቲ ጻውቲ ዝጅመር ናይ በረድ ወቕቲ ምስ ተወድአ እዩ፡ ኣብ ጥቅምቲ ድማ ይውዳእ። ኵሉ ሰብ ዘለዎ ክእለት ብዘየገድስ ክሳተፍ ይኽእል እዩ። እቶም ክእለት ዘለዎም ተጻወትቲ ነቶም ጀመርቲ ከሰልጥንዎም ባህ ይብሎም እዩ። ብናጻ እትልቅሖ መጻወቲ ናውቲ ኣሎና። ነቲ ኵዕሶታት ግና እቶም ተጻወትቲ ባዕሎም እዮም ዝዕድግዎ። (100 ክሮነር ን500 ኵዕሶ)

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja