IL ROS - Volleyball

Leder: Stine Herring Olsen
Telefon: 911 34 519
Kontaktperson: Stine Herring Olsen
Telefon: 911 34 519

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Volleyball

ኵዕሶ መርበብ ኣብ ናይ ኵዕሶ መርበብ ሜዳ እትጻወቶ ዀይኑ፡ ኣብ ማእከል እቲ ሜዳ ኸኣ 2.43 ሜተር ዝቕመቱ መርበብ ኣሎ። ሸሽዱሽተ ኣባላት ዘለውወን ክልተ ጋንታታት ከኣ ይጋጠማ። ነታ ኵዕሶ ብኢድካ እናሃረምካ ካብቲ ሸነኽካ ናብቶም መጋጥምትኻ ብልዕሊ እቲ መርበብ ትልእካ፣ እታ ኵዕሶ ኣብ ናይ መጋጥምትኻ ሜዳ ክሳዕ እትወድቕ ከኣ ከምኡ ትገብር።

ነታ ኵዕሶ ክትቀልዓ ከለኻ ካልእ ክፍሊ ኣካላትካ እውን ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ፣ ክትስርብ ከለኻ ግን ኢድካ ጥራይ ኢኻ እትጥቀም። ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ነታ ኵዕሶ ናብ መጋጥምቱ ቅድሚ ምቕላዑ፡ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ እዩ ክትንክፋ ዝኽእል። ኣብ ናይ ውድድር ኵዕሶ መርበብ ንምስዓር፡ ሓደ ጋንታ ሰለስተ ዙር ክስዕር ኣለዎ፣ እቲ ናይ መጀመርታ ኣርባዕተ ዙር ድማ ክሳዕ 25 ነጥቢ ኢኻ እትጻወቶ። እታ ሓምሸይቲ ናይ መፈላለይት ግጥም ግና ክሳዕ 15 ነጥቢ ኢኻ እትጻወታ። ሓደ ዙር ንምስዓር፡ ካብቲ ናይ መጋጥምትኻ ጋንታ ክልተ ነጥቢ ዝለዓለ ነጥቢ ኽህልወካ ኣለዎ። ኵዕሶ መርበብ ምሉእ ዓመት ክትጻወቶ እትኽእል ህቡብ ዓይነት ስፖርት እዩ፣ ዓበይትን ንኣሽቱን ውድድራብ ኵዕሶ መርበብ እውን ይዳሎ እዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja