Asker Skiklubb - Kajakk

Leder: Håkon Korsvold
Telefon: 990 19 143
Kontaktperson: Håkon Korsvold
Telefon: 990 19 143

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Kajakk

ካያክ ዝብሃል ኣብ ነዋሕን ቀጣንን ታንኳ ዄንካ ኣብ ማይ ብምጅላብ እትገብሮ ዓይነት ስፖርት እዩ። ኣብ ካያክ፡ እቲ መጀለቢኻ ብኽልቲኡ ጫፉ ጸፊሕ እዩ። ብካያክ ምጅላብ፡ ንምሉእ ሰብነትካ ጠቓሚ እዩ። ከመይሲ፡ ክልቲኡ ኣእጋርካን ቀላጽምካን ከብድኻን ሕቘኻን ይንቀሳቐስ እዩ። ካያክ ኣካላዊ ምውስዋስ ክትገብር ዝሕግዝ ኣር ርእሲ ምዃኑ፡ ብተፈጥሮ ክትድሰት ዝሕግዝ ጽቡቕ ናይ ደገ ስፖርት እውን እዩ።

ናይ ካያክ ጻውቲ፡ እተፈላለየ ዕድመ ንዘለዎም ክኢላታትን ጀመርትን ዝኸውን እተፈላለየ ደረጃታት ኣለዎ። ካያክ ዘይትውንን እንተ ዄንካ፡ ካብ ክለብ ክትካረ ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ መካረዪ ድማ ርጉኣት ናይ ጀመርቲ ታንኳታት፡ ፈጣናት ታንኳታት፡ ኣካላዊ ስንክልና ንዘለዎም ዝዀና ታንኳታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ናይ ካያክ ክለብ እተፈላለየ ደረጃታት ጻውቲ ኣሎ፣ ገሊጾም ኣብ ርጉእ ማያት ይስልጥኑ፡ ገሊኦም ምጅላብ ጕዕዞ ይገብሩ፡ ገሊኦም ከኣ ኣብ ናይ ማራቶን ምጅላብ የተኵሩ። ሰለዚ፡ ጻውቲ ካያክ ንዅሉ ሰብ ክፉትን ኵሉ ሰብ ክሳተፈሉ ዝኽእልን እዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja