Asker Skiklubb - Bandy

Leder: Cathrine Os
Telefon: 917 68 605
Kontaktperson: Cathrine Os
Telefon: 917 68 605

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Bandy

ጸወታ ኵዕሶ በረድ ንሻኲ ዝመስል ብደረጃ ጋንታ ኣብ ሜዳ ናይ በረድ ዝካየድ ዓይነት ጸወታ እዩ። ተጻወትቲ ኣብ በረድ ሸተት እናበሉ ነታ ኵዕሶ ብፍሉይ በትሪ ይኽብክብዋ። ነፍሲወከፍ ጋንታ በትሪ ዘይሕዝ ናታ ሓላዊ-ልዳት ኣለዋ። ዓሰርተ ተሰለፍቲ ድማ ትውንን። ዕላማ ናይ’ቲ ጸወታ ንዅዕሶ ናብ ልዳት መቃናቕንትኻ ጋንታ ከምእትኣቱ ምግባር እዩ።

ኣብ ጸወታ ኵዕሶ በረድ እትዝውተር ዓይነት ኵዕሶ ንእሽተይን ብላስቲን ዝተሰርሐትን ከምኡ’ውን ናይ 6.5 ሰ.ሜ. ሰንጣቒት ዘለዋን ከባብን እያ። ተጻወትቲ ኰይኑ ተዓዘብቲ ብቐሊሉ ንኽርእይዋ ድማ ቀይሕ ሕብሪ እዩ ዘለዋ። ኣብ ርእሲ ሸተት መበሊ ሳእኒ፡ ተጻወትቲ ቍራዕ-ርእሲን ካልእ ካብ ማህሰይቲ ዝከላኸለሎም ነገርን ይዓጥቁ። ንውሓት ግዜ ጸወታ ኣብ ክልተ ነናይ 45 ደቓይቕ እብረታት ዝተኸፍለ እዩ። ኣብ ናይ ህጻናት ጸወታ እዚ ግዜ እዚ ብ 2 x 25 ደቓይቕ ይጐድል። ሸቶ በትሪ ተጠቒምካ ጥራይ እዩ ክምዝገብ ዝኽእል። ንዅዕሶ ብኢዱ ሒዙ ክገትኣ ዝፍቀደሉ ድማ ሓላዊ-ልዳት ጥራይ እዩ። እታ ዝበዝሑ ሸቶታት እተመዝግብ ጋንታ ተዓዋቲት ትኸውን። ኣብ እዋን ጸወታ ሰዓሪን ተሳዓሪን ምስዘይፈላለዩ፡ ድሕሪ ምዝዛም ግዜ ጸወታ ተወሳኺ ግዜ ይወሃቦም። በዚ ምስዘይፈላለዩ ድማ ብፍጹም ቅላዕ ከምዝፈላለዩ ይገብር።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja