Kjernen 4H - Sogndal

manager: Eirik Henjum-Reppen
Telefon: 41 76 09 62
Mail:
Kontaktperson: Eirik Henjum-Reppen
Telefon: 41 76 09 62
Mail:

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

4H

4H ኣስታት 15,000 ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢያውያን ጨናፍር ዝተሓቝፉ ደቂ-ነርወይ መንእሰያት ዝጥርንፍ ሃገራዊ ውድብ እዩ። መሪሕ ዕላማ ናይ 4H - ኣብ ኮማቶም ንጡፍ ተሳትፎ ዘለዎምን ንተፈጥሮ ኰነ ንደቂ-ሰብ ኣኽብሮት ዘለዎምን ንጡፋት፡ ከምኡ’ውን ሓላፍነታውያን መንእሰያት ምፍራይ እዩ። 4H ዝዀነ ይኹን ሃይማኖታዊ፡ ፖለቲካውን መኽሰባውን ዝንባለ ዘይብሉ ውድብ እዩ። እቶም መሰረታውያን ክብርታት ናይ’ዚ ውድብ እዚ ብሩህ ርእሲ፡ ለዋህ ልቢ፡ ህርኩታት ኣእዳውን ጽቡቕ ጥዕናን እዮም።

ከም ኣባላት ናይ 4H መጠን ኣብ ዝተፈላለዩ - ኣብ ውሽጢ ገዛ ድዩስ ካብ ትሕቲ ናሕሲ ወጻኢ ኣብ ዝሰላሰሉ ንጥፈታት ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ 4H ዓርከ-መሓዛ ከተጥርዩ፡ ብዛዕባ እንስሳታትን ኣትክልትን ክትመሃሩ፡ ከምኡ’ውን ብኮም ድዩስ ብሃገር ደረጃ ወይ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝውደቡ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት ዑደት እግሪ፡ ስልጠናን ናይ ካምቦ ሰፈራን ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም። ገለ ክለባት ናይ’ዚ ውድብ እዚ ኵዕሶ መርበብ ዝጻወታ፡ ምርኢታት ናይ መድረኽ ተዋስኦ ዘርእያን ናይ ምሕኳር ንጥፈታት ዘሰላስላን ኪዀና እንከለዋ፡ ካልኦት ድማ ከም ናይ ጎቦ ምድያብን ምግፋፍ ዓሳን ዝኣመሰለኡ ናይ ምዝንጋዕ ንጥፈታት የካይዳ። ከም ኣባላት ናይ 4H መጠን፡ ብዛዕባ ተፈጥሮ፡ ባህሊ፡ ጥዕናን እቶም ከተሰላስልዎም እትደልዩ ኮማዊ ንጥፈታትን ናይ ውሳኔታት ተራ ክህልወኩም ይኽእል እዩ። እቶም ዘለዉ ተኽእሎታት መወዳእታ ዘይብሎም ኰይኖም፡ ብናትኩም ኣእምሮኣዊ ሕልሚ ዝድረቱ ጥራይ እዮም። 4H ሓያለይ መሰጥቲ፡ ኣዘናጋዕትን በዳህትን ንጥፈታት የቕርብ። ክትጽንበሩና ምደለኹም ዶ?

choose-language

Aktuelt språk: Tigrinja