Notodden Frivilligsentral

Leder: Ellen Solberg Eliassen
Telefon: 970 53 374
Kontaktperson: Ellen Solberg Eliassen
Telefon: 970 53 374

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Notodden Frivilligsentral

ማእከል ወለንተኛታት ንኹሎም ኣብ ማእከል ኮሞም ብምኻን ከም ወለንተኛታት ከገልግሉ ዝደልዩ ሰባት ዝኸውን ቦታ እዩ። እዚ ማእከል እዚ ንህዝባውያን ትካላት-መዚ ከም መአከቢ ቦታ ዘገልግ ኰይኑ ዝተፈላለዩ ምስአን ዝሰርሑ ትካላት፡ ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ይድግፍዎ። ማእከላት ወለንተኛታት ብናይ ኣውራጃን ከባብያዊን ምምሕዳራት ከተማ ደገፍ ይግበረሎም። ብኣባልነት ዝኸዱ ድማ ኣይኰኑን።

ኣብ ሃገረ-ነርወይ ልዕሊ 400 ዝቝጽሮም ማእከላት ወለንተኛታት ኣለዉ። ዕላማታት ናይ ማእከል ወለንተኛታት ምሉእ-ብሙሉእ ኣብ ኮም ዘተኰሩ እዮም፤ ማለት እቶም ኣብ ወለንታውን ትርጉም ዝህብን ዕዮ ክነጥፉ ዝደልዩ ሰባት ይኹኑ ሓገዝ ክቕበሉ ዝደልዩ ውልቀ-ሰባት። ኣብ ኩሉ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት፡ ኣብ’ተን ኣብ ከባቢኦም ዝርከባ ማእከላት፡ ገለ ትርጉም ክህቦምን ከዘናግዖምን ዝኽእል ወለንታዊ ንጥፈት ኣይስእኑን እዮም። ምስ ከባቢን መሰረታዊ ጠለብን - ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ዝፈላለዩ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኣለዉ። ገለ ኣብነታት - ማሕበራዊ ምትእኽኻባት፡ ንበይኖም ንዝነብሩ ሰባት ዝግበር ሓገዝ፡ እተዕልሎ ሰብ፡ ሓገዝ ወይ ኣብ እዋን ምብጻሕ ናብ ሆስፒታል ሰብ ምስናይ፡ ናይ ጕዕዞ እግሪን ምንፋስን ጕጅለታት፡ ከምኡ’ውን ብቛንቋ ነርወይ ንዘይዛረቡ ሰባት ዝግበር ሓገዝን ኣብኦም ኣተኲሮም ዝሰላሰሉ ንጥፈታትን። ኣብ ከባቢኹም ንዝርከብ ማእከል ናብ www.frivilligsentral.no ብምእታው ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይ’ቶም ኣብ እትነብሩሉ ከባቢ ዝሰላሰሉ ንጥፈታት እውን ዝህብ ነቝጣ መርበብ እዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja