Hvalstad IL Buegruppe

Leder: Wim Dekeyser
Telefon: 93235636
Kontaktperson: Wim Dekeyser
Telefon: 93235636

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Bueskyting

ጻውቲ ቀስቲ፡ ብቐስትን ፍላጻን ጌርካ ንሓደ ዕላማ ብምውቃዕ ዝጽወት ዓይነት ስፖርት እዩ። ቀስቲ፡ ሰባት ንኣሽሓት ዓመታት ንሃድንን ንውግእን ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ጥንታዊ ናውቲ ዅናት እዩ። ሎሚ ሰባት፡ ቀስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ንመዘናግዕን ንውድድርን እዮም ዝጥቀምሉ። ቀስቲ ኣብ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት እውን ይጽወት እዩ።

ገሊኡ ቀስቲ ካብ ሓደ ዕንጸይቲ ተዓጺፉ ዝስራሕ ክኸውን ከሎ፡ መብዛሕትኡ ዘመናዊ ቀስቲ ግና ብኽልተ ዕንጸይቲ ተዓጺፉ ዝስራሕ እዩ። እቲ ካብ ቀስቲ ዝውርወር ፍላጻታት ካብ ሓጺንን ፕላስቲክን እዩ ዝስራሕ። ቀስቲ ጌርካ ክትውርውር ከለኻ፡ ነቲ ፍላጻ ኣብ ማእከል እቲ ተመጣጢ ገመድ ግበሮ፡ ነቲ ፍላጻ ኣብ መንጎ እታ ኣመልካቲት ኣጻብዕትኻን እታ ማእከለይቲ ኣጻብዕትኻን ግበሮ፡ ድሕሪኡ ነቲ ገመድ ናባኻ ገጽካ ንድሕሪ ስሓቦ። ነቲ ገመድ ክትሰድዶ ኸለኻ፡ እቲ ፍላጻ ክውርውር እዩ። ኣብ ጻውቲ ቀስቲ እተፈላለየ ዓይነት ውድድራት ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ሓደ እተመደበልካ ቦታ ዄንካ ምውርዋር፡ ምህዳንን ኣብ መሮር ምውርዋርን። እቲ ኣብ ሓደ እተመደበልካ ቦታ ዄንካ ምውርዋር፡ ንሓደ ማዕረ ርሕቀት ዘለዎ ዓሰርተ ዓንኬል እተሳእሎ ዕላማ ወርዊርካ ብምውቃዕ ካብ ሓደ ክሳዕ ዓሰርት ነጥቢ ምርካብ የጠቓልል። ዝለዓለ ነጥቢ ንምርካብ ጨሚትካ ክትወቅዕ ኣሎካ። ልክዕ ከምቲ ናይ በረድ ሃድን ዝብሃል ዓይነት ጻውቲ፡ ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ብቐስቲ ፍላጻ ምውርዋርካ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብትዅረትን ብምልክዕን ዕላማኻ ምጭማት እዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja