Hurum Sportsskytterklubb

Leder: Terje Vernly
Telefon: 982 28 173
Kontaktperson: Terje Vernly
Telefon: 982 28 173

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Skytterlag

ኣብዚ ክለብ ልምምድ ተዅሲ፡ ንእተፈላለየ ዕላማ ኣብ እተፈላለየ ርሕቀት ኴንካ ዓሊምካ ምትኳስ ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ናይ ተዅሲ ልምምድ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ብሓደ ዀይኖም እዮም ዝወዳደሩ፡ ናይ መወዳደሪ ደረጃኦም እውን ሓደ እዩ። ከም ኣትኵሮን ኣእምሮኣዊ ጥንካረን ዝኣመሰሉ ባህርያት እንተ ኣልዩካ፡ ኣብዚ ልምምድ ጽቡቕ ውጽኢት ከተምጽእ ትኽእል ኢኻ።

ኣብዚ ክለብ ልምምድ ተዅሲ፡ እተፈላለየ ልምምዳት ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት ኣብ መሮር፡ ኣብ በረድ፡ ኣብ ጫካ፡ ኣብ ነቝጣ፡ ኣብ መሮር ቀልጢፍካ ምትኳስ፡ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ልምምድ ተዅሲ የጠቓልል። ኣብዚ ልምምድ፡ ብእተፈላለየ ዓይነት ጠበንጃ ብቐንዱ ኣብ ሓደ ቀዋሚ ቦታ ዄንካን ኣብ መሮርን ዝግበር ልምምድ ተዅሲ ትገብር ኢኻ። ኣብ ሓደ ቀዋሚ ቦታ ዄንካ ዝግበር ናይ ተዅሲ ልምምድ፡ እቶም ትሕቲ 18ን ልዕሊ 65ን ዓመት ዝዕድሚኦም ካብቲ ዕላማ 100 ሜተር ርሒቖም ዝትኵስሉ፡ እቶም ካልኦት ልምዲ ዘለዎም ግና ካብቲ ዕላማ 200 ወይ 300 ሜተር ርሒቖም ምትኳስ ዝለማመድሉ ዓይነት ልምምድ እዩ። እቲ ተዅሲ ዝለማመድሉ ዕላማ፡ ከቢብን ካብ 1-10 ነጥብታት እተኸፋፈለን እዩ። እቲ ናይ መሮር ልምምድ ተዅሲ ኸኣ፡ ኣብ በበይኑ ዓይነት ቕርጺ መሬት ንእተፈላለየ ነገራት ኣብ እተፈላለየ ርሕቀት ኴንካ ብምጭማት እዩ ልምምድ ዝግበር። ኣብ ክረምቲ (ዊንተር) ናይ መሮር ውድድራት ተዅሲ ይካየድ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ሓጋይ (ሳመር) ግና እቲ ልምምድ ተዅሲ ኣብ ሓደ ቀዋሚ ቦታ ዄንካ ዝግበር ልምምድ እዩ ዝካየድ። ኣብቲ ክለብ ልምምድ ተዅሲ፡ ንድሕንነት ዝያዳ ኣትኵሮ ይግበረሉ እዩ። እቶም መምህራን ከኣ ኵሉ ሳዕ ምስኻ ይዀኑን ናይ ድሕንነት ሕግታት ይሕሎ እንተልዩ ድማ ይቈጻጸሩን እዮም።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja