Asker Skiklubb - Alpint

Leder: Thomas Ruud
Telefon: 997 18 849
Kontaktperson: Thomas Ruud
Telefon: 997 18 849

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Alpint

ኣልፒንት ዝብሃል ናይ በረድ ሸታሕታሕ ውድድር፡ ኣብ እተፈላለየ ቕርጺ መሬት ዝግበር ውድድር ኰይኑ፡ ካብ ካልእ ፍልይ ዘብሎ እቲ ናይ በረድ ጫማ ምስቲ ሸታሕታሕ መበሊ ጣውላ እተጣበቐ ምዃኑ እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ ካብ ካልእ ዓይነት ናይ በረድ ሸታሕታሕ ውድድራት ፍልይ ዝበለ እዩ። ኣልፒንት ዝብሃል ናይ በረድ ሸታሕታሕ ውድድር፡ ኣብ ጫፍ ናይ ኣኽራን እዩ ዝጅምር፣ ብሓያል ቍልቍለት ሸታሕታሕ እናበልካ ብምውራድ ከኣ እቲ ውድድር ይግበር። እቶም ተወዳደርቲ ነቲ ውድድር ቅድሚ ምውዳኦም ብእተፈላለየ ዕንቅፋታትን መገድታትን ክሓልፉ ኣለዎምም። ነዚ ዓይነት ስፖርት እዚ ንምኽኣል፡ ተዓጻጻፍነትን ሚዛንካ ምሕላውን ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ውድድር ብቐንዱ ኣብቲ ናይ መወዳእታ መስመር ብቕልጡፍ ኣብ ምብጻሕ ዘተኰረ እዩ፣ እቲ ናብቲ ናይ መወዳእታ መስመር ንምብጻሕ ሓጺር ግዜ ዝወሰደሉ ተቐዳዳማይ ከኣ ይዕወት። ስለዚ፡ ኣብዚ ውድድር እዚ ፍጥነት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ውድድር ኣልፒንት እተፈላለየ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ህቡብ ግን ናብ ቍልቍለት ዝግበር ውድድርን ሱፐር ጂ ዝብሃልን እዩ። ውድድራት ኣልፒንት ናብ ቁልቁል ምውራድ፡ ብዝከኣለካ ፍጥነት ብእተፈላለየ ኣፍ ደገታት ምሕላፍ ስለ ዘጠቓልል ተመሳሳሊ እዩ። እቲ ሱፐር ጂ ዝብሃል ካብ ካልእ ናይ ኣልፒንት ውድድራት ፍልይ ዘብሎ ግና፡ እቲ ኣፍ ደገታት ኣዝዩ እተረሓሓቐ ምዃኑ እዩ። ከም ናብ ቍልቍለት ሸታሕታሕ እናበልካ ምውራድ፡ ሱፐር ጂ ከምኡውን ካልእ ዓይነት ውድድራት ኣልፒንት ክትወዳደረሉ እትኽእል እተፈላለየ ንኣሽቱን ዓበይትን ውድድራት ኣሎ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja