Gransherad Spel og Dansarlag

Litt om Folkedans

 

Leikarring ከምኡ’ውን Dansarring ኣብ ጉዳይ ያታዊ ደርፊ ኣተኲረን ዝነጥፋ ማሕበራት እየን። ያታዊ ደርፊ ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ፍሉይ ጥንታዊ ባህሊ ንዘተኰሩ ኩሎም ዜማታት ዝምልከት እዩ። እዚ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ገጠራዊያን ማሕበራትን ማሕበራት ሓረስቶት መንእሰያትን ኰይኑ፡ እዘን ኣብ ያታዊ ደርፊ ዝግደሳ ማሕበራት ስልጠና ያታዊ ሳዕስዒት ይህባ እየን። ዕላማ Leikarringer፡ ናይ ኣማኢት ዓመታት ታሪኻዊ ሰራውር ንዘለዎም ያታውያን ሳዕስዒታት ኣብ ምምሕልላፍን ዳግማይ ኣብ ምሕዳስን ዘተኰረ እዩ።

መበቆል ያታዊ ሳዕስዒት ከባብያዊ ኮማዊ ባህሊ ኰይኑ ኣብ ጽንብላት ከም መማዕረጊን መዘናግዒን ንጥፈት ይሰላሰል ነበረ። ያታዊ ሳዕስዒት ንሃገራውያንን ብሄራውያን ሳዕስዒታት እውን ይገልጽ እዩ። ያታዊ ሳዕስዒት ጥበብ ዝተሓወሶ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኰይኑ፡ ማሕበራዊ ጣቋ ዘለዎ ያታ እውን እዩ። ኣብ ጕጅለ ሳዕስዒት ምስእትጽንበሩ ክትገሹን ኣብ ፈስቲቫላት ክትሳተፉን፡ ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ጕጅለታት ሳዕስዒት ክትራኸቡ ዕድል ኪህልወኩም እዩ። ብዘይካ’ዚ «kappleik» ኣብ ዝተባህለ፡ ብዙሓት ዓይነት ጸወታታትን ጕጅለታት ሳዕስዒትን ኣብ ዘአንግድ ውድድራዊ ያታዊ ሳዕስዒት ክትሳተፉ ይኽእሉ ኢኹም።

Kontakt Gransherad Spel og Dansarlag

Leder: Kari-Anne Ellegaard Westeng
Telefon: 415 53 485
Mail: famwesteng@gmail.com
Kontaktperson: Kari-Anne Ellegaard Westeng
Telefon: 415 53 485
Mail: famwesteng@gmail.com