Aerobic Øyfjell

Leder: Øyfjell Utvikling
Telefon: 928 99 998
Kontaktperson: Emilie Asplin
Telefon: 928 99 998

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Aerobic

ብሓባር ኮይንካ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ካብ ምግባር ንላዕሊ ሓይሊ ዝህብን ዘሕጉስን ነገር የለን። ከምኡውን ኣብዛ ኣብ ቪንዬ ኮሙና ትርከብ ንኡሽተይ ቁሸት ኦይፍየል ኣዳራሽ ዝግበር ነገራት ኣሎ። ሓደ ካብቶም ዝግበሩ ንጥፈታት ካዓ ኤሮቢካ ኾይኑ ሕጂ ኣብዚ ቦታ ን 12 ዓመታት ተኻዪዱ እዩ። ሰኑይ ሰኑይ ካብ ምሸት ሳዓት 07:30 እስካብ 08:30 እቲ ሳሎን ብሳሓባይ ተኻታታሊ ድምጺን (ረምታን) ዘ|ሕጉስ ዳንሲን መሊኡ ይረአ።

እቲ ክፍለ ጊዜ ብንኡሽተይ ናይ ዳንሲ ፕሮግራም ጀሚሩ ካብኡ ቀስ እናበለን ብርግጽን ብርኪ ናህሪታቱ እናውሰኸ ከምዝኸይድ ኮይኑ እዩ ተሰሪዑ። ብርኪ ብብርኪ፣ ደረጃ ብደረጃ ንደጋግሞን ጸቕጢ ንገብረሉን፣ ኣብ መወዳእታውን ብሳሓባይ ዝኾነ መወድኢ ዙርያ ንዛዝሞ። ቀልጢፍካ ናብቲ ፕሮግራም ክትኣቱ ስለዝግበር፣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተሳቲፍካ ክትነብር ግድን ኣይኮነን። መታን ኩሉ ሰብ እቲ ብርኪታት ናይ ምምሃር ዑዱል ክረክብ፣ ኣብ ፍርቂ ዓመት ኣስታት ክልተ ጊዜ ጥበብ-ባለይ /ኮርዮግራፊ/ ንቕይር ኢና። ምግግጋይን /ምድንባርን/ ከምኡውን ብጌጋ ምርጋጽ ፉቑድ’ዩ፤ እቲ ኣገዳሲ ነገር ደስ ክብለካን፣ ክትርህጽን ንገዛ ርእስኻ በቢዕለቱ ቁሩብ ከም ኮኾብ ደናሳይ ክስማዓካ ምግባርን እዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja