NMK Notodden

Leder: Linda Meyer
Telefon: 913 06 994
Kontaktperson: Linda Meyer
Telefon: 913 06 994

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Motocross

ናይ ሞቶ ቅድድም ናይ ሞቶ ስፖርት ኮይኑ ናይ ሞተር-ብሽግለታ ቅድድም ኮይኑ ኣብ ምልክት ዝተገብረሉ ዘይጥጡሕ መሬት ዝግበር ቅድድም ኢዩ። እቲ መንገዲ ዝተፈላለየ ዘይጥጡሕ ኮይኑ ምንጣር’ውን ዝተሓወሶ ኢዩ። ናይ ሞቶ ቅድድም ኣብ ዘይጥጡሕ መሬት ክሳብ 3 ኪሎ ሜተርስ ንውሓት ክሽፍን ይኽእል፡ ከምኡ’ውን ክሳብ 8 ሜትሮ ስፍሓት ኣለዎ። ማእከላይ ቅልጣፈ ካብ 55 ኪሎ ሜተርስ ኣብ ሰዓት ክዛይድ የብሉን።

እዚ ዓይነት ጸወታ እዚ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ክልተ ዝተመቅለ ኮይኑ፡ ክሳብ 40 ተሳተፍቲ ኣብ ምጅማር ይሕዝ። ኣብቲ ናይ ጸወታ እዋን ዝተፈላለዩ ዓይነት ምልክታት ዘለዎም ባንዴራታት ነቶም ተቀዳደምቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን የርእይዎም። ንኣብነት ቀይሕ ባንዴራ ጠጠው ንክብሉ ይሕብር፡ ብጫ ባንዴራ ድማ ብመጠንቀቅታ ዝተሰነየ ሓደጋ ከም ዘሎ ይሕብር። እዚ ዓይነት ቅድድም ኣካላዊ ብቅዓትን ጽቡቅ ምዕሩይነትን የድልዮ። ከምዚ ዓይነት ውድድር እዚ ብዙሓት ኣለዎ፡ እቶም ቐንድን ልሙዳትን ክልተ ግን ፍጥነት ዘለዎ ቅድድምን ነጻ ኣገባብ ኣጸዋውታ ቅድድምን ተባሂሎም ይጽውዑ። ፍጥነት ዘለዎ ቅድድም ኣብ ፍሉይ ዝኾነ ምልክት ዘለዎ ክፋል ክጽወት ናይ ሞቶ ቅድድም ክጽወት ከሎ፡ ናጻ ኣገባብ ኣጸዋውታ ናይዚ ጸወታ ድማ ኣብ ውሽጢ ካንሸሎ ብፍሉይ ዝተሃንጼ መንገድታት ጥራይ ዝጽወት ዓይነት ጸወታ ኢዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja