Mannskoret Brage

Leder: Asbjørn Hagen
Telefon: 416 64 116
Kontaktperson: Asbjørn Hagen

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Mannskoret Brage

ናብ ጕጅለ ዘመርቲ ሰብኡት ብራገ እንቋዕ ብደሓን መጻእካ። እቲ ጕጅለ ዘመርቲ ናይ ነዊሕ እዋን ታሪኽ ዘለዎ እዩ። ካብ 1913 ኣትሒዙ ዝጀመረ እዩ። ንብዙሓት ብልምዲ ከም ፖለቲካዊ ጕዳይ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ግና እቲ ኣገዳሲ ጕዳይ እዚ ጕጅለ፡ ማሕበረሰባውነት፡ ምሕዝነት፡ መዝሙር/ደርፊ እዩ። ኣብ ዓመት እተፈላለየ ምርኢት ነርኢ ኢና። 1 ግንቦት፡ ኣብ ኑትኦደን፡ ኣብ ራላረን ንዝምር/ንደርፍ ኢና። ኣብ ሃውግሙቱን ከምኡውን ኣብ ግራንስሀራድ ቢግደሃይም እውን ንዝምር/ንደርፍ ኢና። ኣብ በዓል ልደት (ክሪስማስ) ከኣ ኣብ ሃውግሙቱን ንዝምር ኢና። እቲ ጕጅለ ዘመርቲ፡ ብቐንዱ ኣብ ኖርወይ፡ ከምኡውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ስካንደነቭያ ኣብ ዝግበር ዓበይቲ ምትእኽኻባት እውን ይሳተፍ እዩ።

ትሕዝቶ እቲ እንደርፎ ደርፍታት ናይ ቀደም ደርፍታት ባሕረኛ፡ ደርፍታት ሸቃሎ፡ ናይ ገጠር ደርፍታት፡ መስሓቄን ደርፍታት፡ ዘመናዊ ደርፍታት የጠቓልል። እቲ ጕጅለ ዘመርቲ፡ ኵሉ ሳዕ ሓሙስ ሰዓት 18፡30 ኣብቲ ዓብዪ ኣዳራሽ ስኩላንድ፡ ኑትኦደን ይእከብ። ኵሉ ሰብ ድምጺ ኸም ዘለዎ ኢና እንኣምን። ኣባል እቲ ጕጅለ ዘመርቲ እንተ ዄንካ፡ መምህር ክትረክብ ኢኻ። እቲ መምህር ክሕግዘካን ነቲ ደርፍታት ክምህረካን እዩ። ኵላትኩም እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja