Friskis & Svettis Notodden

Leder: Liv Heidi Settemsli
Telefon: 924 99 021
Kontaktperson: Liv Heidi Settemsli
Telefon: 924 99 021

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Friskis & svettis

ጥዕናን ረሃጽን ከምኡ’ውን Friskis & Svettis ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሓደ ናይ ስፖርት ማሕበር ኮይኑ ሃገራዊ ጨንፈራት ዘለዎ ኣብ ምሉእ ሃገርና ዝርከብ እዩ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ናይ ሓባር ልምምድን ኣብ ጅምናዝዮም ወይ ኣብ ደገ ልምምድ ክገብር ይኽእል እዩ። ናይ ጥዕናን ረሃጽን ማሕበር ንኩሉ ሰብ ምቹእ ዝኾነ ኣማራጺታት ዘለዎ ዝደለኻዮ ቅልጡፍ ወይ ዝሕል ዝበለ ደረጃ ፍጥነት ዘለዎ ልምምድ ከቕርብ ይኽእል።

እቲ ቐንዲ ዕላማ ናይዚ ስፖርት እዚ ምውድዳር ወይ መሕለፊ ግዜ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ስፖርት’ዚ ኩሎም ተሳተፍቲ ጽቡቅ ተመኩሮን፡ ጽቡቅ ናይ ኣካላዊ ምንቅስቃስን፡ ከምኡ’ውን ድሌት ልምምድ ንዝበለጸ ጥዕና ንክህልወናን እዩ። ዕላማ ናይዚ ማሕበር ንኩሉ ሰብ ኣብዚ ልምምድ ንምጥርናፍ፡ ማለት ጽቡቅ ናይ ኣካላዊ ኣቃውማን ውዕዉዕ ድሌት ምስራሕ ልምምድ ሃልዩካ ወይ ድማ ቀስ ዝበለ ዝሑል ብዙሕ ጸቅጢ ዘይብሉ ልምምድ ስራሕ ህልዩካን ንኩሉ የጠቓልል። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ድማ ጥዕናን ረሃጽን ብቡዙሓት ዝፍለጥን ንኩል ደረጃ ዕድመ ዘጠቃልልን። ብተወሳኺ እዚ ማሕበር ናይ ኣብ ውሽጢ ገዛን ኣብ ደገን ዝግበር ልምምድ ከምኡ’ውን ሓጺር ዙረትን ኣገልግሎት ዝህብ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja