Tofte Triatlon

Leder: Arve Stamnes
Telefon: 92488036
Kontaktperson: Arve Stamnes
Telefon: 92488036

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Tofte Triatlon

ትሪያትሎን ዝብሃል ምሕምባስን ብብሽክለታ ምውድዳርን ጕያን ጠሚሩ ዝሓዘ ናይ ተጻዋርነት ስፖርት እዩ። ርሕቀት ናይቲ ውድድራት እተፈላለየ እዩ፣ ኣብ መንጎ ዕረፍቲ ከይገበርካ ድማ ኢኻ ነቲ ውድድራት ብሓንሳእ እትውድኦ፣ ናይ ኵሉ ድምር ሰዓታት ድማ ይቝጸረልካ። እቲ ውድድር ሰዓታቱ ይቝጸር እዩ፣ ኵሎም ተወዳደርቲ ድማ ብሓንሳእ እዮም ዝጅምርዎ።

እቲ ውድድር ኵሉ ሳዕ ብምሕምባስ እዩ ዝጅመር፡ ክሳዕ እቲ ናይ ብሽክለታ ውድድርን ጕያን ዝካየድ ከኣ ይቕጽል። እቲ ካብቲ ሓደ ውድድር ናብቲ ኻልእ ክትሰጋገር ከለኻ እተሕልፎ ግዜ እውን ኣብ ድምር እቲ ናይ ውድድርካ ግዜ ይቝጸር ወይ ይሕሰብ እዩ። ትሪያትሎን ITU ብዝብሃል እተፈልየ ኣህጉራዊ ፈደረሽን እዩ ዝመሓደር፣ ኣብ ኖርወይ እውን ነዚ ዘመሓድር ኣብ ትሕቲ ፈደሬሽን ስፖርት ኖርወይ ዝዀነ ፈደረሽን ትሪያትሎን ኖርወይ ዝብሃል ማሕበር ኣሎ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja