IL ROS - Badminton

Leder: Øivind Storvik
Telefon: 957 14 927
Kontaktperson: Øivind Storvik
Telefon: 957 14 927

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Badminton

ባድሚንተን ኣብ ኩሉ ቦታ ዝጽወት ናይ ናጻ ጊዜ ንጥፈት እዩ፣ ግን ከም ስፖርት ኣብ ውሽጢ ናይ መጻወቲ ኣዳራሽ /ኣብ ውሽጠ-ቤት/ እዩ ዝጽወት። ከም ስፖርታዊ ውድድር እዚ ዝጽወት ወይ ብንጽል (ሓደ ንሓደ)፣ ወይካዓ ብድርብ (ኽልተ ንኽልተ) እዩ። ባድመንተን ኣብ ዓለም እቲ ኣዝዩ ዝቐልጠፈ /ንሁር/ ናይ ራኬትን ናይ ኩዕሶን ስፖርት እዩ። ኣብዝእዋን’ዚ ናይ ዓለም ናህሪ ክብረወሰን 493 ኪ/ሜ ብሳዓት እዩ ዘሎ። ባድሚንተን ዝጽወት ኣብ 13.4 ሜትሮ ዝንውሓቱ መይዳ እዩ፤ እቲ ንምጽዋት ዘድሊ ኣቑሑትውን ራኬትን ንኡሽቶ ጻዕዳ ኽንቲት ትመስል ኩዕሶን እዩ። እቲ ኸይዲ ጸዋታውን ነታ ኹዕሱ ብልዕሊ መርበብ እንዳሃረምካ ብኽልቲኡ ወገን ብምቅብባል እዩ። እታ ኹዕሶ ታሃሪማ ኣብውሽጢ እቲ ምልክት ናይቲ መጻወቲ ዘሎ መሬት ክትወድቕ የብላን።

እቲ ጸወታ ሰርቪ ምብስራብ (ከም ቮሊቦል) እዩ ዝጅመር። ጸወታ ትስዕር እንድሕር ዳኣ እቲ ተጻራሪኻ ነታ ዝሃረምካያ ኩዕሶ ናባኻ ክምልሳ ተዘይኪኢሉ ወይካዓ መሊሱ ንታ ኩዕሶ ካብቲ ናትካ መይዳ ምልክት ወጻኢ እንተዕሊብዋ እዩ። መን ከምዝሰረቦ ብዘየግድስ ኩዕሶ ኣብ መይዳ ተጻራሪኦም እስካብ ዘዕለቡ ክልቲኦም ወገናት ነጥቢ ከቑጽሩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዝስርብ ግን እቲ ነጥቢ ዘቑጸረ እዩ። ሓደ ናይ ባድሚንተን ውድድር 3 ዙርያ ዘለዎ ኾይኑ 21 ነጥቢ ይሕዝ። ሕድሕዲኡ ዙርያ ዝሳዓር ብውሕድ ብ 2 ነጥቢ ኣፋላላይ እዩ። ካብ ሰለስቲኡ ዙርያ እቲ ዝበዝሕ ዝሳዓረ ይዕወት። ባድሚንተን ንኽትርደኦ ብጣዕሚ ዝቐለለ ዓይነት ስፖርት እዩ። ብልዑል ብርኪ ንምጽዋት ግን ኣዝዩ ኣህላኺን ናይቲ ስፖርተኛ ጽንዓት፣ ጥንካረን ናህሪን ዘአምሰሉ ዓበይቲ ጠለባት ዝሓትት እዩ። ብተወሳኺውን ምስ ታክቲክ፣ ጹቡቕ ዝኾነ ናይ ዓይኒን ኢድን ኣዋዲድካ ምስራሕ ኣገዳሲ እዩ።ባድሜንተን ቆልዑትን ኣብ ኩሉ ዕድመ ዘለዉ ሰባትን ዝጻወትዎ እዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja