Holmen KFUK-KFUM-speidere

Leder: Bjørn Willy Robstad
Telefon: 951 54 825
Kontaktperson: Bjørn Willy Robstad
Telefon: 951 54 825

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

KFUK-KFUM Speiderne

ኣብ ደገ ምዃን ትፈቱ ዲኻ፧ ኣብ ጫካ ናይ እግሪ ጕዕዞ ምግባር፡ መጋርያ ሓዊ ምንኻስ፡ ብታንኳ ምዝንጋዕ፡ ሕቡእ ነገር ምህዳን፡ ሓድሽ ነገር ምምሃር፡ ናብ ነዊሕ ነገራት ምሕኳር፡ ዓበይቲ ነገራት ምህናጽ፡ ምጽዋት፡ ምውዛይ ትፈቱ ዲኻ፧ ስካውት ኣብ ህይወትካ ዘይትርስዖ ተዘክሮ ኸተሕልፍ ይሕግዘካ እዩ። ንስኻውን ስካውት ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ስካውት እንተ ዄንካ፡ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ከተጥሪ፡ ኣብ ምትእኽኻባት ኣብ ጕዕዞታትን ክትሳተፍ፡ ኣብ ካምፕ ክትሓድር ኢኻ። ብዙሕ ባህ ዘብል ግዜ እውን ከትሕልፍ ኢኻ። ሓድሽ ነገራት ክትፍትን ኣጋጣሚ ኽትረክብ፡ ሓላፍነት ምውሳድን ብሓንሳእ ምዕያይን ክትምሃር፡ ኣብ ህይወትካ ዝጠቕመካ ልምዲ ድማ ኽትረክብ ኢኻ።

ናይ ኖርወይ ማሕበር ስካውት KFUK-KFUM (ናይ ኖርወይ «ክርስትያናዊ ማሕበር መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ» ከምኡውን «ክርስትያናዊ ማሕበር መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ» ማለት እዩ)፡ ቈልዑን መንእሰያትን ጽቡቕ ስነ ምግባር ንኸማዕብሉ ከምኡውን ሓላፍነት ዝወስዱን ኣብ ካልእ ሰብ ጽግዕተኛ ከይኰኑን ማሕበራዊ ተወፋይነት ክህልዎምን ምስ ካልኦት ምርድዳእ ክኽእሉን ንተፈጥሮ ኣኽብሮት ክህልዎምን ንኽምሃሩ ዝሕግዝ ናይ ስካውት ዕዮ ንምፍጣርን ንምክያድን ዕላማ ዘለዎ ማሕበር እዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja