Dansesonen - Dans

Leder: Tiril Andøl
Telefon: 917 38 632
Kontaktperson: Kari Skotnes Vikjord
Telefon: 907 37 047

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Dansesonen Dans

ዳንስ ወይ ሳዕስዒት፡ ብሙዚቃ ተሰንዩ ወይ ብዘይ ሙዚቃ ዝግበር ናይ ኣካል ምንቅስቓስ እዩ። ገሊኡ ዓይነት ዳንስ፡ ኣካላትካ ከመይ ክንቀሳቐስ ከም ዘለዎ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊ ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ ዓይነት ዳንስ ግና፡ እቲ ደናሳይ ወይ ሳዕሳዓይ ብኸመይ ንኣካላቱ ከም ዘንቀሳቕሶ ባዕሉ እዩ ዝውስን። ንፉዕ ደናሳይ ክትከውን እንተ ደሊኻ፡ ንኣካላትካ ክትመልኮ ከምኡውን ተዓጻጻፋይ ድልዱልን ክትከውን ኣሎካ። ዳንስ መዘናግዕን ስፖርትን እዩ። ክትሳተፈሉ እትኽእል እተፈላለየ ዓይነታት ዳንስ ኣሎ።

እቲ ናይ ዳንስ መሰልጠኒ፡ ካብቶም ኣብ መውዓል ሕጻናት ዝውዕሉ ሕጻናት ኣትሒዝካ ክሳዕ መንእሰያትን ዓበይትን ንዝዀኑ ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ሰባት ዝኸውን ናይ ዳንስ ክፍልታት ትምህርቲ ኣለዎ። ነቶም ንኣሽቱ ዝኸውን፡ ሚኒዳንስ፡ ባርነዳንስ፡ ሂፕ ሆፕ ኪድስ ዝብሃል ዓይነት ስልጠናታት ኣሎና። ናብ ቤት ትምህርቲ ንዝኸዱ ቘልዑን መንእሰያትን እተዳለወ ኸኣ እዚ ዝስዕብ እዩ፦ ክላሲክ ባለይ፡ ክላሲክ ቶስፒስ፡ ጃዝ ዳንስ፡ ሾውዳንስ፡ ዲቫ ፍዩዥን፡ ዘመናዊ፡ ሬጌ ፍዩዥን፡ ሙዚቃዊ ዳንስ፡ ሊሪካል ጃዝ፡ ፊት ኤንድ ፍሌክስ፡ ሂፕሆፕ፡ ሃውስ ፍዩዥን፡ ገርል ስታይል ኮመርሻል ከምኡውን ቲክቶክ ዳንስ። ኣብዚ ጽድያ ዝህሉ ዓብይ ፍጻመ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ናይ ግንቦት ናይ መወዳእታ ቀዳመ ሰናብቲ እቶም ዓበይቲ ተምሃሮ ኣብ ኣስከር ባህላዊ ኣዳራሽ ዘርእይዎ ምርኢት ዳንስ እዩ። ኵሎም እቶም ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ዕድመ ዘለዉ ኣብ ኵለን ሓሙሽተ ክፍልታት ዝስልጥኑ ተምሃሮ ኣብዚ ምርኢት ዳንስ ክረእዩ እዮም። ናብዚ ናይ ዳንስ ስልጠና እንቋዕ ብደሓን መጻእካ!

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja