Asker Taekwon-Do Klubb

Leder: Roar Andersen
Telefon: 905 72 491
Kontaktperson: Bjørn Eirik Tronstad Baasnes
Telefon: 918 85 857

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

ITF Taekwon-Do

ቴኳንዶ ናይ ኮርያ ኾይኑ ናይቲ ሽሙ ትርጉም ካዓ ናይ ኢድን እግሪን ጥበባዊ ቓልሲ /ምትህርራም/ ማለት እዩ። ኣብ ቴኳንዶ ኩሉ ነብስኻ ኢኻ ትጥቀመሉ፤ ጥንካረ፣ ሓቦ፣ ምንቅስቓስ ኣካልን ምውዳድን ተማዕብል። ምስኡውን እቲ ኣካላዊ ማርሻል ኣርት ስልጠና፣ ስነ-ሞራልን ጹቡቓት ክብሪታትን - ብአወንታዊ፣ ብውሑስን፣ ኣካታታይን /ሓዋዋሲን/ ብዝኾነ ሃዋህው ይማሓላለፉ። ቴኳንዶ ዝተፋላለየን፣ ዘዛናግዕን መላዓዓላይን ዝኾነ ንጥፈት እዩ። ዞም ስልጠናታት ቴኳንዶ፣ ኩሎም ናይ ዕድመ ክሊ ጉጅለታት በብናይ ገዛ ርእሶም መንገዲ ኣካላዊ ንጥፈት ዝፈጥሮ ሓጎስ ንኽስመዖም ብዝገብር ኣገባብ እዮም ተዋዲዶም። ኣብዚ ንኽትሳተፍ ዋላ ቅድሚ ሕጂ ዘይትፈልጦ ወይ ብኡ ዘይሰልጠንካ እንተኾንካውን ዋላ ሓንቲ ጸገም የብሉን።

ኣብ ቴኳንዶ፣ ብጉጅለ ዕድመን ብዘለካ ብርኪ ብቕዓትን ብውልቂ ስልጠና ኣሎ። እቶም ብቑዓት መሰልጠንቲውን መታን ዝመለኽካዮ ኾይኑ ክስማዓካን ዓርሰ-እምነት ክተሕድርን፣ ኣብ ሕድሕድ ስልጠና ከታባብዑኻን ክሕግዙኻን እዮም። ከም ምስ ናይ ኖርወይ ናይ ስፖርት ፌደሬሽን ዝተታሓሓዘ ስፖርታዊ ንጥፈት፣ ኣብ ኩሉ ዕድመ ዘለዉ ተጠቀምቲ ናይዚ ዕድል’ዚ፣ ኣብ ኩሉ ዓይነት ውድድራት ናይ ምእታው መሰል ኣለዎም። ብብርኪ ዓለምለኸ ኢ.ቴ.ኤፍ ቲኳንዶ ኖርወይ ጹቡቕ ትነጥፈሉ ዓይነት ስፖርት እዩ። ቴኳንዶ ንምፍታን ሙሉእ ብሙሉእ ናጻ እዩ፤ ኣፍቲ ናይ ፈተነ እዋን እውን ዝኾነ ዓይነት ኣገዳድነት /ጉቡእ/ የለን።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja