Asker Seilforening

Leder: Espen Guttormsen
Telefon: 404 06 870
Kontaktperson: Calle Andersen
Telefon: 915 51 380

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Seiling

ሰይሊንግ ቀንዲ ትርጉሙ ብጃልባ ጋንጽላ ምጕዓዝ ማለት እዩ። ሓንቲ ጃልባ ወይ መርከብ ብሓይሊ ንፋስ ክትንቀሳቐስ ከላ ድማ ሰይሊንግ ይብሃል። ዝበዝሕ ግዜ ሰባት ሰይሊንግ ዝብሉ ምስ ብጃልባ ምጕዓዝ ኣተሓሒዞም እኳ እንተ ዀኑ፡ ከም ስርፋፈ ንፋስ (ዊንድሰርፊንግ)፡ ስርፋፈ (ሰርፊንግ)፡ ደው ኢልካ ምጅላብ፡ ዓለልፈለል ዝኣመሰለ ንጥፈታት ግን ኣብ ማሕበር ሰይሊንግ ኖርወይ ይጠቓለል እዩ።

ብጃልባ ጋንጽላ ምጕዓዝ ብእተፈላለየ መገዲ ኽግበር ይከኣል እዩ። እቲ ዝውቱር ብንእሽቶ ጃልባ ብፍላይ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ዝገብርዎ ልምምድ እዩ። እታ ንእሽቶ ጃልባ በይንኻ ክትቈጻጸራ እትከኣል እያ። ሰይሊንግ ውድድር እዩ። ኣብቲ ውድድር ከኣ በይንኻ ወይ ብጋንታ ዄንካ ብእተፈላለያ ዓይነት ጃለቡ ጋንጽላ ብምጕዓዝ እትወዳደሮ ዓይነት ውድድር እዩ። እቲ ውድድራት፡ ኣብ ቃልዕ ባሕሪ ምጅላብ፡ ናብ ርሑቕ ምጕዓዝ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብምጅላብ ምውድዳር ወይ ኣብ ቃላያት ምጅላብ የጠቓልል። ኣብ ገማግም ባሕሪ ወይ ከኣ ናብ ካልእ ሃገር ወይ ኣህጉር ብዙር ዝግበር ውድድር እውን ኣዝዩ ህቡብ እዩ። ቈልዑን ዓበይትን ሰይሊንግ፡ ማለት ብጃልባ ጋንጽላ ከመይ ጌርካ ከም እትጐዓዝ ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም። መብዛሕትኦም ማሕበራት ሰይሊንግ ኖርወይ፡ ኣብ ናይ ሓጋይ ትምህርትን ስልጠናን ክትጥቀመለን እትኽእልን ነቶም ሰይሊንግ ክምሃሩ ዝደልዩ ብልቓሕ ዝወሃባኦምን ንኣሽቱ ጃልባታት ኣለዋኦም።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja