Leder: Hanne Thürmer
Telefon: 901 51 761
Kontaktperson: Hanne Thürmer
Telefon: 901 51 761

 

Jeg vil kontaktet av foreningen

Fotball

ኩዕሶ እግሪ ብጣዕሚ እቶም ካብ ዓለም ፍሉጣትን ብሉጻትን ፍቱዋትን ዝባሃሉ ናይ ጋንታ ጸወታታትን ውድድራትን እቲ ሓደ እዩ ።አብ ሞንጎ ክልተ ጋንታታት ብተጻራሪ ን ብምፍክካርን ዝካየድን ዝጻወቱሉን ዓይነት ውድድር ክከውን ከሎ አብ ሕድሕድ ጋንታታት ዓሰርተ ሓደ /11/ ተጻወቲ ይርከብዎ ። እዚ ዓይነት ናይ ፍክክር ወድድር አብ ሞንጎ ክልተ ተፍካከርቲ ጋንታታት ዝካየድ ውድድር ክከውን ከሎ እታ ሓንቲ ጋንታ ካፍታ ካልአይቲ ጋንታ / መፎካክርታ ጋንታ / አሸናፊት እትኮነሉ በዝሂ ጎል ብምእታው ብልጫአ ተርእየሉን ትሰዕረሉን ዓይነት ናይ ሰፖርቲ ውድድር እዩ ።

ሓደ ናይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታዊ ውድድር አብ ክልተ ፍረቃታት ዝተከፍለ እዩ ። ሕድሕድ ናይ ፍረቃ ወድድር ከም ኩነታቱ አብ ክልተ ናይ ሳዓት ገደብን ክፍልን ዝተከፍለ እንትከውን እዚ ናይ ዕረፍቲ ፍረቃ ገደብ ካብ ዕሰራ ክሳብ አርባዓን ሓሙሸተን / 20 — 45 / ደቂቃ ዝህሉ ናይ ሕድሕድ ቅድሚ ዕረፍትን ድሕሪ ዕረፍትን ዝካየድ ግጥም እዩ ። እዙይ ክከውን ዝክእል በቶም አፍታ ጋንታ ዘለዉ ተጻወቲ ውድድር ዕድመ ገምጋም ዝገበረ እዩ ። ካፍቶም ተወዳደርቲ እቲ ጎልኪፐር / ቦርታ / ክጻወት ከሎ ኢዱን እግሩን ብምጥቃም ጎል ከይታአቱ ዝካላከልን ዝሕሉን ክከውን ከሎ እቶም ካልኦት ናይቲ ጋንታ ተወዳደርቲ ሰረሖም ብምቅንጃወን ብምሰምዕማዕም ኩዕሶ አብ ቁጸጸር ብምውዓልን ብዋናነት እግሮም ብምጥቃም ኩዕሶ ከይታአቱ ምክልካልን ምጥቃዕን እዩ ። ሰለዙይ ኩዕሶ እግሪ ማሕበራዊን ትምሕርታዊን ናይ ጋንታ ፉክክርን ውድድርን እዩ ። ዝኮነ ሰብ ድማ ናይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታዊ ውድድር ክጀምር ይክእል እዩ ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja