Notodden EL-Innebandy

Leder: Tone Margit Ørvella Steinhaug
Telefon: 906 30 117
Kontaktperson: Bjørg Slettum
Telefon: 992 50 388

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

EL-Innebandy

ኢል-ባንዲ ዝተወርሰ ናይ ሓባር ዓይነት ስፖርት ኮይኑ፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ስንክልና ዘለዎም ህጻናትን፡ ኣብ ምጉባዝ ዝርከቡን፡ ንዓበይቲ ሰባትን ንምጥባቅ ተባሂሉ ዝተዳለወ ውድድር እዩ። እቶም ተጻወቶት ብፍሉይ ብኤለኽትሪክ ዝሰርሓ ናይ ስንኩላን ብሽግለታታት ይካየድ። እቲ ጸወታታት ኣብ ናይ ጅምናዝዩም ወይ ናይ ጉያ ክፍልታት ይዳሎ።

እዚ ዓይነት ጸወታ እዚ ኣብ 14 ሜትሮ ጎድንን ብ 20 ሜትሮን ቁመትን ዘለዎ ቅጥራን ኣብ ውሽጢ ካንሸሎ ይጽወት። ነፍሲ ወከፍ ኢል-ባንዲ ጋንታ ኣብ ሓደ ግዜ 2 ወይ 3 ተጻወትቲ ሓደ ካብኣቶም ድማ ሓላዊ ልዳት(ቦርቴለ) ኣለዉዋ። እዚ ናይ ሓባር ጸወታ ኮይኑ ብዙሓት ተጻወትቲ ኣለዉዎ። ምትሕግጋዝን ምዕሩይነት ጻዕራምነትን ከምኡ’ውን ሓጎስን እቶም ቀንዲ መልክዓት ናይዚ ዓይነት ስፖርት ኢዮም። እቶም ኮፍ መበሊታት ናይ ተጻወትቲ በቶም ተጻወትቲ ብጆይስቲክ ተጠቂሞም ይቆጻጸርዎም ወይ ድማ ዝከኣል እንተኾይኑ ነታ ናይ ስንኩላን ብሽግለታ ክቆጻጸራ ዝኽእል ሰብ ብድሕሪት መንሸራተቲ ዝገበረ ይዝውራ። እታ ብኤለኽትሪክ ዝተሰርሐት ናይ ስንኩላን ብሽግለታ ብጣዕሚ ልዑል ዝኾነ ክእለት ናይቲ ተጻዋታይ ትደሊ ጽቡቅ ንክትሰርሕ። ኢል-ባንዲ ቅልጡፍን ኣዘናጋዕን ናይ ሓባር ስፖርት ኮይኑ ቀሊልን ኣገዳስን’ውን ኢዩ። ማሕበራዊ ጥርናፈ ውን ኣገዳሲ ባእታ ናይቲ ጸወታ ኢዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja