Kjekstad Golfklubb

Litt om Golf

 

ጎልፍ ሓንቲ ንኡሽቶ ኩዕሶ ብኣዝዩ ውሑድ ዕድል፣ ሳዕሪ ኣብዘለዎ ናይ መጻወቲ ቦታ እናሃረምካ ነታ ኹዕሶ ናብ ሸቶ እተሕልፈሉ ዓይነት ስፖርት እዩ። መብዛሕትኡ ጊዜ እቲ መጻወቲ ቦታ 18 ጉድጓዳት ዘለዎ እዩ፤ ግን ጎልፍ ኣብ ኣናኡሽተይ ቦታውን 6 ወይ 9 ጉድጓድ ብዘለዎ ይጽወት እዩ። ሓደ ሰብ ዝተፋላልየ ዓይነት ናይ ጎልፍ ኩዕሶ መህረሚ ዱላ /በትሪ/ ገይሩ ነታ ኩዕሶ ናብ ኣየር እናሐምበበ ናብቲ ጥቓ ናይ ኩዕሶ ጉድጓድ ዘሎ ሳዕሩ ዝተቐምቀመ “ፑቲንግ-ግሪን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንኡሽቶ ሉምሉም ቦታ የብጽሓሞ ካብኡ ቀስ ኣቢሉ ባይታ-ባይታ ብምህራም እናንካራረወት ናብቲ ጉድጓድ ከምትኣቱ ይገብር። ኣብቲ ሞንጎ ዝተፋላለዩ ናይ ኩዕሶ ጉድጓዳት ዘሎ ቦታ፣ ነቶም ተጻወቲ መታን ፈታኒ ክኾኖም ተባሂሉ ዝዓቆሩ ማያትን ናይ ሑጻ ዕርድታትን ከምዝህዉዎ ይግበር። ኣፍቲ ሳዕሩ ዝተቐምቀመ ሉምሉም ኑኡሽቶ ቦታ እቲ ተጻዋታይ ሓደ ጊዜ ነታ ኹዕሶ ይሃርማ እሞ ካብኡ ከምቲ ኣብላዕሊ ዝተጠቐሰ እታ ኩዕሶ ባይታ-ባይታ እናንካራረወት /እናተንካባለለት/ ናፍታ ኣብ ጥቓኣ ዘላ ጉድጓድ ታኣቱ። ነታ ኩዕሶ ነናብ ሕድሕድ ጉድጓድ ንምእታው ንቐደም ካብ 100 እስካብ 550 ሜትሮ ርሕቀት ካብዘለዎ ቦታ ብናይ ጎልፍ በትሪ /ዱላ/ ክትህረም ኣለዋ። ኣብ ሕድሕድ ጉድጓድ ልዕሊ፣ እታ ጉድጓድ እትርከበሉ ቦታ ንምምልካት ሓንቲ ብሩሑቕ እትረአ ባንዴራ ትትከል’ያ። እታ ኹዕሶ ንዓዓ ካብዝተሰርሐ ኣብ ባይታ ዝትከል መቐመጢኣ እያ ትህረም። ድሕሪ እቲ ናይ መጀመርያ ናይ ነዊሕ ብኣየር ዝግበር ህርመት፣ እታ ኹዕሶ ናብታ ናይ ሸቶ ጉድጓድ እስካብ ትኣቱ ምህራም ክትቅጽለሉ ኣለካ። ካብቶም ተዋዳደርቲ፣ እቲ ዝዋሓደ ቁጽሪ ማህረምቲ ገይሩ ነታ ኩዕሶ ናብ ጉድጓዳ ዘእተዋ ሰብ እዩ ሳዓራይ ይኸውን።

ጎልፍ ኣዝዩ ማሕበራዊ ዝኾነ ስፖርት ኾይኑ ምስ ቡዙሓት ጥዑያት ሰባት ዘራኽብን ጹቡቕ ምንቅስቓስ እትገብረሉን ዓይነት ስፖርት እዩ። ጎልፍ ንኹሎም ክሊ ዕድመ፣ ቆልዑትን ዓበይቲን ይሳማማዕ|’ዩ። ናይ ጎልፍ ሕጊታት ንኽትማሃሮም ቀለልቲ እዮም። ጎልፍ ብውልቂ ይኹን ከም ጉጅለ ኾይንካ እትጻወቶ ዓይነት ስፖርት እዩ።

Kontakt Kjekstad Golfklubb

Leder: Kim Anders Aas
Telefon: 920 20 314
Mail: post@kjekstad-gk.no
Kontaktperson: Bjørn Lohne
Telefon: 312 97 990
Mail: post@kjekstad-gk.no