Lia IL - Bordtennis

Leder: Jens Salvesen
Telefon: 975 81 772
Kontaktperson: Jens Salvesen
Telefon: 975 81 772

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Bordtennis

ናይ ጣውላ ጸወታ ቴንስ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ፍሉጣት ዝኾኑ ዓይነት ጸወታታት ናይ ዓለምና ኮይኑ ብራኬት ወይ ድማ መጀለቢ ዝጽወት ጸወታ፡ ከምኡ’ውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝጽወት ኮይኑ ብክልተ ወይ ኣርባዕተ ተጻወትቲ ክጽወት ዝኽእል ጸወታ ኢዩ። ዕላማ ናይቲ ጸወታ ድማ ብፕላስቲ ዝተሰርሐት ንእሽተይ ኩዑሾ ኣብ ልዕሊ ጣውላ ብዝተዘርግሐ ሰኪዔት ብልዕሊኡ ምሕላፍ ኮይኑ ብጣዕሚ ቅልጡፍ ጸወታ ኢዩ። እታ ኩዕሾ ኣብ ሓደ ግዜ በቲ ካልኣይ ተጻዋታይ ተሃሪማ ክሳብ ትምለስ ኣብ ጣውላ ሓንሳብ ጥራይ ክትነጥር ይፍቀድ።

እቶም ተጻወቶት ነታ ኩዑሶ ብራኬት ወይ ድማ መጀለቢ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መጻወቲ ካብን ናብን ጫፍ ክሳብ ሓደ ካብቶም ተጻወትቲ ዝስሕታ ክሃርምዋ ይኽእሉ፡ ሓዲኦም ምስ ሰሓታ ድማ እቲ ወይ እታ ካልኣይ/ቲ ተጻዋታይ/ቲት ሓንቲ ነጥቢ ይረክብ። መን ጀሚርዋ ነታ ኩዑሾ ብዘየገድስ ኣብ ሓንቲ ስዕረት ሓንቲ ነጥቢ ዝሰዓረ ይረክብ። እቲ ናይ ኩሉ ግዜ ጸወታ 11 ነጥቢ ክኸውን ከሎ፡ ሓደ ጸወታ ተባሂሉ ድማ ይጽዋዕ። ኣብ ሓደ ጸወታ እቶም ተጻወትቲ ክልቲኦም 10 – 10 እንተኮይኖም፡ ክሳብ ሓደ ካብቶም ተጻወትቲ ብክልተ ነጥቢ ዝመርሕ እቲ ጸወታ ይቅጽል። እቲ ተጻዋታይ ሰለስተ ጸወታ ዝተዓወተ ምሉእ ጸወታ ተዓዋቲ ይኸውን። ክልቲኦም ሃገራውን፡ ቐንዲ ቴንስን ውድድራት ኣብ መላእ ኖርዋይ ይካየዱ። ተሳታፍነት ድማ ዓመታዊ ኢዮ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja