Vardåsen Barne og Ungdomskor

Leder: Yngvild Wattum Stuksrud
Telefon: 66754090
Kontaktperson: Yngvild Wattum Stuksrud
Telefon: 66754090

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Kor

“ጕጅለ ደረፍቲ” ክበሃል እንከሎ ብሓባት ወይ ብውህደት ዝተፈላለዩ ደርፍታት ዘቕርቡ ኣባላት ዝሓቘፈት ጕጅለ እያ። እቲ በዛ ጕጅለ እዚኣ ዝቐርብ ዓይነት ደርፊ “ኮራለ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዛ ጕጅለ እዚኣ ደርፊ ብሓባር ምስተ’ቕርብ፡ ነፍሲወከፍ ኣባል ብሓደ ዓይነት ውህደት ድምጺ ይደርፍ ማለት’ዩ። እቲ ቅኒት ድምጺ ድማ ኣብ ሓደ እዋን ዝዝየሙ - ነንበይኖም ብራኸታት ድምጺ ዝቐርቡ ዝተፈለላዩ ውህደታት ድምጺ ዘጠቓልል ይኸውን።

ሓንቲ ጕጅለ ደረፍቲ እንተወሓዱ ሸሞንተ ኣባላት ኣለውዋ። እተን ከምዚኣ ዝኣመሰላ ነኣሽቱ ጕጅለታት - ጕጅለታት ጽምዲ ጐረሮ ወይ “ኢንሰምብልስ” ተባሂለን ይጽዋዓ። ዝዀነት ትኹን ጕጅለ ደረፍቲ፡ ዓይነት ናይ ጸወታ ከምዝውስኖ፡ ብመሳርሒታት ሙዚቃ ተሰንያ ወይ ብመሳርሒታት ሙዚቃ ከይተሰነየት ክትደርፍ ትኽእል እያ። መብዛሕትአን ጕጅለታት ደረፍቲ፡ ሰሚረን ዜማ ክጅምራን ክውድኣን፣ ከምኡ’ውን ክብን ለጠቕን ዜማ ብውህደት ከተግብራ ምእንቲ ክኽእላ፡ ኣብ ቅድሚት ደው ዝብል መራሒ ሙዚቃ ኣለወን። መራሒ ሙዚቃ ኣብ ሞንጎ ዜማ ብዛዕባ ዝርከቡ መሰጋገሪታት ምልክት ይገብር። ህጻናት ድዩስ ዓቕሚ-ሰብ ዝኣኸሉ ሰባት ዝጠርነፋ፡ ከምኡ’ውን ኩሎም ዓይነት ጸወታታት ዝጻወታ ዝተፋለለያ ጕጅለታት ደረፍቲ ኣለዋ። ምስ ጕጅለ ደረፍቲ ተጠርኒፍካ ምድራፍ ምስ ማሕበራዊ ንጥፈታት ዝጥርነፍ ኰይኑ፡ ብዙሓት ጕጅለታት ደረፍቲ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብምጋሽ ኣብ ፈስቲቫላት ይሳተፋን ሙዚቃዊ ምርኢት የቕርባን።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja