Leder: Hans-Peter Lannerstedt
Telefon: 91 70 04 09
Mail: b@msen.no
Kontaktperson: Hans-Peter Lannerstedt
Telefon: 920 16 660

 

Jeg vil kontaktet av foreningen

Røyken MC-Ravn

ሮይከን ኤም-ሴ-ራቭን ጉጅለ ናይ ልዕሊ ዕድመ ኣንስቲን ሰብኡትን ኮይኑ፣ መታን እቶም መናእሰያት ውሕስነት ዘለዎ ሃዋህው ክረኽቡ ብዝብል፣ ኣብ ቀዳመ ሰምበት ምስቶም መናእሰያት ምዃን ዝደልዩ ሰባት እዮም። ሮይከን ኤም-ሴ-ራቭን ሓደ ነገር ክኽሰት ከሎ ሓገዝ ክገብር፣ ከዳምጽን /ክሰምዕን/ ምኽሪ ክህብን ዝኽእል ጉጅለ እዩ። ኤም-ሴ-ራቭን፣ ኣብቲ ከባቢታት ናይቲ ኮሙና ብሞተር-ሳይክል ኣብ ደገ እንዳተዛዋወረ ንናይ መናእሰያት ግልጋሎት ዓርቢን ቀዳምን ምሸት ምሸት ኣብ ሓጋይ /ሶመር/ ንፍርቂ ዓመት ዝነጥፍ እዩ። ኣብ ቀውዒውን፣ እስካብ እቲ መንገዲ ብምኽንያት በረድ ሸታሕታሕ ዘብል እናዘወሩ ይንቃሳቐሱ እዮም። ሮይከን ኤም-ሴ-ራቭን፣ መናእሰያት ንዘድልዮም ቅልል ዝበሉ ሓገዛት ናይ ጽገና፤ ከም ሕጽቦ ናይ ብሽክለታ፣ ሕጽቦ ካቴና /ሰንሰለት/፣ ሕጽቦ ስኒ መንኮርኮር፣ ካንዴላ መቐየሪን ዝኣምሰሉን ናይ ኣናእሽቱ ጽገናታትን መስርሒ/ ቦታ ኣዳልዮም እዮም።

ኣብ ግቢ ኤም-ሴ-ራቭን ኩሉ ጊዜ ጥዑያት /ጥዑማት ሰባት/ ኣለዉ እዮም። ሉስሉስ (ኣልኮል ዘይብሉ) መስተ /ብሩስ/፣ ፖልሰ /ግዕዝም/፣ ዋፍልን ዝኣምሰሉን ኩልጊዜ ሰሉስ ሰሉስ ካብ ሳዓት 18፡00 እስካብ 21፡00 የቕርቡ እዮም። ኣብዚ ቦታዚ እቶም ናይ መወዳእታ ዝታሓተሙ መጽሄታት ከተንብብን ምስቶም ካልኦት ሞተር-ሳይክል ዝዝውሩን ከተዕልልን ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ቦታ ቢልያርዶ ጸወታ ኣሎ፤ ቀሊልን ቡዙሕ ዝዝውተርን ኮይኑ፣ ጹቡቕ ሃዋህው ዝፈጥርን ዕግበት ዝህብን ዓይነት ጸወታ እዩ። ሳሓቕ፣ ዋዛ ኣሎ እዩሞ በጃኹም ናብ ሮይከን ኤም-ሴ-ራቭን ምጹ፣ ንኽትመጹ ካብ ልቢ ንዕድመኩም።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja