Konglungen Tennisklubb

Leder: Christian Oppegaard
Telefon: 924 67 266
Kontaktperson: Christian Oppegaard
Telefon: 924 67 266

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Tennis

ተኒስ ሓደ ምስ ሓደ ወይ ክልተ ምስ ክልተ ኣብ ውሽጢ ወይ ኣብ ግዳም ዝጻወትዎ ናይ ኵዕሶ ጻውቲ እዩ። ተኒስ ኣብ 23.77 ሜተር ዝንውሓቱ ናይ ተኒስ ሜዳ ኢኻ እትጻወቶ፡ ናይ ገመድ ፍሕሶ ዘለዎ ራኬት ን ጻዕዳ ወይ ብጫ ዝሕብሩ ኵዕሶን ድማ ኢኻ ትጥቀም። ተኒስ ክትጻወት ከለኻ ነታ ኵዕሶ እናቐላዕካ ብልዕሊ እቲ መርበብ ከም እትሓልፍ ተገብራ። እታ ኵዕሶ ብቐጥታ ወይ ከኣ ኣብ ባይታ ሓንሳእ ሰጊዳ ትምለሰካ።

ጻውቲ ተኒስ ብፍጥነት ምንቅስቓስ ይሓትት። ስለዚ፡ ጽቡቕ ተጻዋታይ ተኒስ ንምዃን፡ ፍጥነትን ተጻዋርነትን ይሓትት። ብዘይካዚ፡ ነታ ኵዕሶ ናብቲ ሓደ ቀሊዕካ ንምስዳድ ቀላጽምካ ድልዱል ክኸውን ኣለዎ። እቲ ጻውቲ ዝጅምር፡ ሓደ ተጻዋታይ ነታ ኵዕሶ ብልዕሊ ርእሱ ሰንድዩ ናብ ሜዳ መጋጥምቱ ብምቕላዕ እዩ። እቲ ጻውቲ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ተጋጠምቲ ነታ ኵዕሶ ቐሊዑ ክመልሳ ክሳዕ ዝጽገምን ነጥቢ ክሳዕ ዝስእንን ይቕጽል። ግጥማት ተኒስ ብጌምን ብዙርን እዩ ዝቝጸር። ኣወዳት ሓሙሽተ ወይ ሰለስተ ጌም ይጻወቱ፣ ኣዋልድ ግና ሰለስተ ጌም ጥራይ ይጻወታ። ኣብ ሓደ ናይ ጻውቲ ዙር ንመጋጥምትኻ ንምስዓር፡ እቲ መጋጥምትኻ ሰለስተ ነጥቢ ቅድሚ ምርካቡ ንስኻ ኣርባዕተ ነጥቢ ክትረክብ ኣሎካ። ሓደ ዙር ናይ ጻውቲ ንምስዓር ከኣ፡ እቲ መጋጥምትኻ ልዕሊ ኣርባዕተ ጌም ከይሰዓረ ኸሎ ንስኻ ሽዱሽተ ጌም ክትስዕር ኣሎካ። ክልተ ወይ ሰለስተ ዙር ምስ ሰዓርካ ድማ ኣብቲ ጻውቲ ተዓዊትካ ትብሃል።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja