Huringen IF - Judo

Leder: Ole Johnny Kaspersen
Telefon: 48 10 60 01
Kontaktperson: Ole Johnny Kaspersen
Telefon: 48 10 60 01

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Judo

ጁዶ ዝብሃል ብምሉእ ኣካልካ ዝግበር ዓይነት ማርሻል ኣርት እዩ። ጁዶ ብ1882 ካብቲ ጁጁትሱ ዝብሃል ዓይነት ማርሻል ኣርት ብጂጎሮ ካኖ ዝማዕበለ እዩ። ብጃፓንኛ፡ «ጁ» ማለት «ልዙብ»፡ «ዶ» ማለት ከኣ፡ «ሜላ» ማለት እዩ። ስለዚ፡ ጁዶ፡ «ልዙብ ሜላ» ማለት እዩ። ጁዶ ብዘይ ጕስጥን ምሽንዳሕን ንሓይሊ መጋጥምትኻ ንጥቕምኻ ምውዓል የጠቓልል። እቲ ሸቶ፡ ንመጋጥምትኻ ምውዳቕ ወይ ኢዱ ኸም ዝህብ ምግባር እዩ። ናይ ጁዶ ግጥም ደው ኢልካ ዝጅመር እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ መወዳእታ ግና ሓደ ነቲ ሓደ ብምውዳቕ እዩ ዝዛዘም። ደው እትብለሉን ንመጋጥምትኻ እተውድቐሉን እግርኻ ኣጽኒዕካ እትተኽለሉን እተፈላለየ ሜላታት ኣለዎ፣ ኣብ መሬት ምስ ወደቕካ እውን ንርእስኻን መጋጥምትኻን እትቈጻጸረሉ እተፈላለየ ሜላታት ኣለዎ።

ጁዶ ብቐንዱ፡ ንመጋጥምትኻ እትሕዘሉን እትገጥመሉን እተፈላለየ ሜላታት ኣጸቢቕካ ምፍላጥ ይሓትት። እናዓበኻ ብዝኸድካ መጠን ድማ፡ ዝያዳ ኣብ ጥንካረን ፍጥነትን ተጻዋርነትን ተተኵር። ጁዶ ኣብ መላእ ዓለም እዩ ዝፍለጥ። ልዕሊ 20 ሚልዮን ኣትለታት ዘለውዎ መበል 7ይ ዝዓበየ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ከኣ እዩ። ካብ 1964 ኣትሒዙ ድማ ናይ ኦሎምፒክ ስፖርት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja