Holmen Klatreklubb

Leder: Frank Sandøy
Telefon: 977 99 916
Kontaktperson: Frank Sandøy
Telefon: 977 99 916

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Klatring

ንሕና ደቂ ሰባት ካብ መጀመርታ ወዲ ሰብ እምባታት ካብዝራኣየሉ ጊዜ ጀሚርና ንእምባታት ንዞሮምን ንድይቦምን ኔርና ኢና። እዚ ምዛእርን ምድያብን ኣብቲ መጀመሪያታት ንምህዳንን ንትራንስፖርትን ብዝብል እዩ ነይሩ፣ ዳሕራይ ግን ንምዝንጋዕ፣ ኣካል ንምንቅስቓስን ምስ ተፈጥሮ ደስ ዝብል ልምምድ ንምግባርን እውን መጺኡ። ኖርወይ ወጽእ ኢልካ እምባታት ንምድያብ ብጣዕሚ ደስ ዝብሉ ዕድላት እትህብ ሃገርያ፤ ስለዝኾነውን ንጡፋት ዝኾኑ ናይ እምባ ደየብቲ ክበባት ኣብ ኩሉ ክፋላት እታ ሃገር ይርከቡ’ዮም። እቶም ዘለዉ ዕድላት ዝተፋላልዩ እዮም ንኣብነት ከም - ብዘይ ገመድ ብዓበይቲ እምኒ ምኻድ፣ ቅልል ዝበሉ ምድያባት ዘድልዮም ጉዕዞታት፣ ብሃጓፋት ምጉዓዝ፣ ስፖርታዊ ምድያብን ናብ ዓበይቲ መናድቕ ናይ እምባታት ምድያብን ዝሓዘ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፣ ቡዙሓት ናይ ስፖርት ጉጅለታት፣ ናይ መናእሰይ ክበባትን ካልኦትን ናይ ናይ ውሽጢ ገዛ ዝድየቡ መንደቓት ኣዳልዮም እዮም። ካልኦት ዓበይቲ ናይ ውሽጠ-ገዛ ዝኾኑ ነቲ ዝድየብ ዓቐበት ናብቲ ዝድለ ፈታኒ ኩነታት ዝስታኻኸል ዓይነት ዘለዎም ማእከላት ኣለዉ እዮም። ከም ስፖርት ምድያብ ናይ ኣካል ብቕዓት ዝሓትት እዩ፤ ከምኡውን ናይ ትረት ጽንዓትን፣ ሚዛን ምሕላውን፣ ቅልጣፈን ይጠልብ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja