Leder: Ingeborg Sølvsberg Dolven
Telefon: 41417944
Kontaktperson: Morten Johansen
Telefon: 950 83 760

 

Jeg vil kontaktet av foreningen

DNT Ung

ናይ ኣስከር DNT መንእሰያት፡ ነቶም ካብ 10-19 ዝዕድሚኦም ካብ ቤት ወጻኢ ኣብ ግዳም ዝግበር ንጥፈታት ዝፈትዉን ብዛዕባዚ ንምፍላጥ ህንጥዮት ዘለዎምን መንእሰያት ዝኸውን ምሳታቶም ብምትሕብባርን ብኣታቶምን እተዳለወ እተፈላለየ ንጥፈታት ይፈጥር። ኣብ ኣስከር፡ መንእሰያትን ናይ ደገ ህይወትን ይቀያየር እዩ ዘሎ። ስለዚ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ካብ ቤት ወጻኢ ኣብ ግዳም ዝግበር ንጥፈታት ተገደስቲ ክዀኑ ንምሕጋዝ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ናብ ጫካ ከይዶም ፈኲስ ናይ እግሪ ጕዕዞ ብምግባር፡ ኣብ ዙርያ መጋርያ ሓዊ ዄንካ ውዑይ ነገር ብምስታይ፡ ከምኡውን መንፈስካ ኣብ ዘነቓቕሕ ቦታታት ብምዃን ነቲ ካብ ቤት ወጻኢ ዘሎ ህይወት ክለምድዎ ጻዕርታት ይግበር ኣሎ።

ኣብ ኣስከር፡ ኣብ እዋን ሓጋይን ክረምትን ናይ እግሪ ጕዕዞ ኽትገብረሉ እትኽእል ጽቡቕ ቦታታት ኣሎ። እቲ ኣኽራናትን ጐላጉልን ብዙሕ ዳህሳስ ክንገብር ኣጋጣሚ ይህበና እዩ። ኣብቲ ብሓባር ዝግበር ናይ እግሪ ጕዕዞ ኣብ ማሕበራውን ማሕበረሰብን ብዙሕ ኣትኵሮ ንገብር ኢና። ሰባት ነቲ ካብ ገዛ ወጺኦም ኣብ ግዳም ምዝንጋዕ ልማድ ባዕሎም ክገብርዎ ድማ ንደሊ ኢና።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja