Snøgg Svømmeklubb

Leder: Jeanette Mathisen
Telefon: 979 53 999
Kontaktperson: Jeanette Mathisen
Telefon: 979 53 999

 

Jeg vil kontaktet av foreningen

Svømming

ውድድር ምሕንባስ ገለ ካብቶም ዝዓበዩ ኣህቡራዊ ውድድራት ኢዩ፡ እቶም ተወዳደርቲ ኣብ ዝተዳለወሎም ርሕቐት ኣብ ናይ መሐንበሲ ዒላ ብምሕንባስ እቲ ቐልጢፉ ዝውድኦ ነቲ ርሕቀት ተዓዋቲ ይኸውን። መብዛሕትኦም ውድድራት ምሕንባስ ብውልቂ ክኾኑ ከለዉ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣገባብ ኣተሓናብሳ ድማ ይጥቀሙ፡ ንኣብነት ምንስፋፍ፡ ናይ ድሕሪት ምሕንባስ፡ ናይ ጽምብላሊዕን ብኣፍ ልብና ኣብ ማይ ተንሳፊፍና ኢድና እንዳዘርጋሕና ምሕንባስን፡ ድብልቅላቅ(ሕውስዋስ) ምሕንባስን ይርከብዎም። ኣብ ገሊኡ እዋን እዞም ኩሎም ዓይነት ኣተሓናብሳ ብሓንሳብ ሓዋዊስና ኣብ ሓደ ውድድር ይካየድ ኢዩ።

ናይ መሓንበሲ ዒላታት ክሳብ 28 ዲግሪ ሰንትግሬድ ዝዓቀኑ ሙቐት ኣለዎ። ንቆልዑት ዝኸውን ፍሉይ መሐንበሲ ዒላታት ኣሎ፡ ከምኡ’ውን ንዓበይቲ ዝኸውን ብጣዕሚ ውሽጢ ዝኾነ ዒላታት’ውን ኣሎ። መሐንበሲ ዒላታት ዑምቖቶም ካብ 40 ሰንቲ ሜተር ክሳብ 4 ሜተር ይበጽሕ። እቶም ክሕንብሱ ዘይክእሉ ሰባት ብክኢላታት ተሓጊዞም ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ምሕንባስ ሓደ ካብቶም ንኣካላዊ ምንቅስቃ ጠቃሚ ዝኾነ ንጥፈታት እዩ፡ ትሑት ጽልዋ ናይ ንጥፈታትን ውሑድ ናይ ሓደጋታት ዘለዎ ዓይነት ስፖርት እዩ። ትምህርቲ ምሕንባስ ንቆልዑት ምሕንባስ ጥራይ ኣይኮነን እንተኾነ ግን ብጣዕሚ ደስ ዘብል ጸወታታትን ምልምማድ ሓድሽ ኩነታት ኣየርን ማይን ከምኡ’ውን ካልኦት ምስ ማይ ዝተሓሓዙ ንጥፈታት ምልምማድን እዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja