Leder: Harald Sandvik
Telefon: 471 77 284
Kontaktperson: Harald Sandvik
Telefon: 471 77 284

 

Jeg vil kontaktet av foreningen

Skøyter

ብዙሓትን ዝተፋለለዩን መልክዕ ስፖርት ዝሓዙ ዓይነት ጸወታ ናይ በረድ ምንሽርታት ኣለዉ። እቶም ቀንዲ ዓይነት ጸወታታት ፍጥነታዊ ጸወታ ናይ በረድ ምንሽርታት፡ ናይ ሓጺር ርሕቀት ፍጥነታዊ ጸወታ ናይ በረድ ምንሽርታት፡ ከምኡ’ውን ቁመናዊ ጸወታ ናይ በረድ ምንሽርታት የጠቓልሉ። ኣብ ፍጥነታዊ ጸወታ ናይ በረድ ምንሽርታት፡ ተወዳደርቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ድዩስ ኣብ ግዳም ኣብ ዝተዋደደ በረዳዊ ሜዳ ይወዳደሩ። ሚዛን ምሕላውን ውህደትን ኣገደስቲ ረቛሒታት ናይ ጸወታ ናይ በረድ ምንሽርታት እዮም።

ኣብ ፍጥነታዊ ጸወታ ናይ በረድ ምንሽርታት፡ ተወዳደርቲ በቢጽምዲ ይብገሱ’ሞ፡ 400 ሜትሮ ኣብ ዝርሕቀቱን ክባዊን - ክልተ መቀዳደሚ መስመራት ዘለውዎ መቀዳደሚ ሜዳ ምንሽርታቶም ይቕጽሉ። ብመሰረት ዝኣተውዎ ግዜ ድማ ተርታኦም ይፍለጥ። እቲ ንመዛዘሚት መስመር ቀዲሙ ዝረገጸ ተቐዳዳሚ ቀዳማይ ተርታ ይሕዝ። ብሓጺሩ፡ ተቐዳደምቲ ፍጥነታዊ ጸወታ ናይ በረድ ምንሽርታት ኣብ እዋን ጸወታ ንሓድሕዶም ስለዝተናኸፉ - ቁራዕ ርእሲ፡ ጓንቲን መከላኸሊ ብርኪን ይወድዩ። ኣብ ቁመናዊ ጸወታ ናይ በረድ ምንሽርታት ውልቀ-ተወዳደርቲ ወይ ጽምዲ ተወዳደርቲ፡ ኣብ በረዳዊ ሜዳ ብምዃን ይዘሉ፡ ንኣካላቶም ይገላብጥዎን ካልኦት ዓይነት ምንቅስቓሳት ይገብሩን። እዚ ጸወታ እዚ ኩሉ ሳዕ ብሙዚቃ ዝተሰነየ እዩ። ዕድሚኦም ካብ 6 ዓመታት ንላዕሊ ዝዀነ ኣወዳትን ኣዋልድን ኣብ ስፖርታዊ ውጽጽር ምንሽርታት በረድ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja