Notodden Orienteringslag

Leder: Torgrim Gjestrud
Telefon: 911 38 168
Kontaktperson: rekrutt: Randi Mork
Telefon: 990 47 070

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Notodden Orientering

እዚ ዓይነት ቅድድም እዚ ተወዳደርቲ ካርታን ሓባሪ መኣዝን(ኮንፓስ) ብምሓዝን ብምጥቃምን ብዝተፈላለየ ምልክት ዘለዎ መንገዲ ብምሕላብ ናብ ናይ መወዳእታ መስመር ብተካእለ መጠን ቀልጢፎም ክበጽሑ ከለዉ ኢዩ። እዚ ዓይነት ስፖርት እዚ ኣብ ምጥቃም ካርታን ሓባሪ መኣዝን ዓለምን(ኮንፓስ) ብጣዕሚ ሓጋዚ እዩ።

ኣብዚ ዓይነት ስፖርት እዚ ዝኾነ ሰብ ካርታን ኣብኡ ምልክት ዝተገብረሉ ዝተፈላለየ ቦታታት ማለት መድረኻት ዘለዎ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቅድሚ ናብ ናይ መወዳእታ መስመር ምብጽሑ ኣብዞም መድረኻት ናይ ግደን ክበጽሕ ኣለዎ። እቶም መድረኻት ናይ ባንዴራ ምልክት ዘለዎም ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይቲ ውድድር ቈሞም ይርከቡ። እቲ ቦታታት ነቶም ተወዳደርቲ ሓድሽ ቦታ እዩ፡ ወለሓደ ዝፈልጦ ሰብ የለን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ድማ ነዚ ውድድር ዝኸውን ቦታ ብኣግራብ ዝተሸፈነ ኮይኑ ዝምረጽ። ከምዚኦም ዓይነት ስፖርትታት ንበይንኻ ኣብ ምሉእ ዓመታት ንክትፍጽሞም ዝተዳለዉን ከምኡ’ውን ንበይንኻ ወይ ብሓባር ከም ጋንታ ኴንካ ትፍጽሞም’ውን ኣለዉ። ኣብ ገሊኡ’ውን ተወዳደርቲ እቲ ውድድር ብለይቲ ክዳለወሎም ይኽእል እዩ። እዚ ዓይነት ጸወታ እዚ ናይ ለይቲ ጸወታ ተባሂሉ ይጽዋዕ ብኣብ ርእሲ ዝግበር መብራህቲ ተሓጊዝካ ድማ እቲ መንገዲ ትደሊ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja