Notodden Backgammonklubb

Leder: Peter Groth Farsund
Telefon: 994 97 045
Kontaktperson: Peter Groth Farsund
Telefon: 994 97 045

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Backgammon

ዱምና(ጸወታ ኣብ ጣውላ ዝጽወት ኮይኑ ብክልተ ተጻወትቲ ይጽወት ከም ዳማ) ዱምና ናይ ቅድም ጸወታ ኮይኑ፡ ቀደም ኣብ የዕራብን ፐርሺያን ቅድሚ 5000 ዓመት ዝጽወት ዝነበረ ጸወታ እዩ። እዚ መጻወቲ ጣውላ ብክልተ ተጻወትቲ ይጽወት፡ ነፍሲ ወከፍ ተጻዋታይ ዓሰርተ ሓሙሽተ ነገራት ይሕዝ፡ ድሕሪ ዳይስ ምድርባዩ ድማ ሓደ ነገር የንቀሳቅስ። እቲ ቀዳማይ ሰብ ነቶም ነገራቱ ካብ ጣውላ ዘልዓሎም ተዓዋታይ ይኸውን።

እቶም ተጻወትቲ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ሓደ ጫፍ ናይቲ ጣውላ ይኾኑ፡ መጀመርታ ነፊሲ ወከፍ ተጻዋታይ ነቶም ነገራቱ ናብቲ ናይ መቀናቅንቱ ማለት መጻውትቱ ቦታ ይወስዶም ካብኡ ቀጺሉ ድማ ካብቲ ጣውላ ይኣልዮም። ብተመሳሳሊ እቲ ካልኣይ ተጻዋታይ ነቶም ናይ መጻውትቱ ነገራት ናብቲ ናቱ ጫፍ ንከይበጽሑ ናይ ግድን ክከላኸል ኣለዎ። ናብቲ መቀናቅንትኻ ካብ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣቐሚጥሉ ዘሎ ቦታ ምንቅስቃስ ኣይፍቀድን እዩ። እንድሕር ደኣ ሓደ ነገር ካብ ሓደ ቦታ ናብ ናይ መቀናቅንትኻ ዘለዎ ቦታ በይኑ ንብሕቱ ዘለዎ ቦታ ኣንቀሳቂስካዮ፡ እቲ ሓደ ነገር ናይ መቀናቅንትኻ ንደገ ወጺኡ ናይ ግድን ከም ብሓድሽ ሓደ ኢሉ ካብ ጸግዒ ናይቲ ጣውላ ይጅምር። ዱምና ናይ ጥበብ ጸወታ እዩ፡ ከምኡ’ውን ምስንዳው ነቲ ዳይስ ካልእ ርእሱ ዝሓዘ መዘናግዒ ክፋል ናይቲ ጸወታ እዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja