Morger Rideklubb

Litt om Ryttersport

 

እዚ ዓይነት ስፖርት እዚ ኩሉ ብዛዕባ ምትሕግጋዝን ምምዕርራይን ብፈረስ ምግላብ እዩ። እቲ ነቲ ፈረስ ዝጋልብ ሰብ ነቲ ፈረስ ብሉጓም ናይ ኢድ ምልክት፡ ብዝተፈላለዩ ናይ እግሪ ምልክታትን ብናይ ድምጺ ትእዛዝን ይቆጻጸሮ።

ኣብዚ ዓይነት ውድድር እዚ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ስርዓታት ጸወታ ኣለዉ። እቶም ቀንዲ ክልተ ግን ተዓሊምን ናይ ምርኢት ዝላን እዮም። ታዓሊም ክበሃል ከሎ እቲ ዝጋልብ ዘሎ ሰብ ነቲ ፈረስ ሰብ ናብ ሓደ ቦታ ከንቀሳቀስ ከሎ ዝህቦ ዘሎ ትእዛዝ ከመይ ይእዘዞ ኣሎ ምርኣይ ክኸውን ከሎ እቶም ደያኑ ድማ ነዚ ብምዕዛብ ነቲ ዝጋልብ ዘሎ ሰብን ነቲ ፈረስን ከም ሓደ ጋንታ ከመይ ይወሃሃዱ ኣለዉ ብምዕዛብ ውሳነኦም ይህቡ። ምርኢት ናይ ዝላ ክበሃል ከሎ ድማ እቲ ፈረስን ዝጋልቦ ዘሎ ሰብን መሰናክላት ዘለዎ ቅድድም ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ብዘይ ዝኾነ ሰኸም ምቅጻዕቲ ክፍጽምዎ ከለዉ ኢዩ። ዝተፈላለዩ ማእከላት ምልምማድ ምግላብ ኣፍራስን፡ ከመይ ጌርካ ፈረስ ትሕዝን መምሃሪ ኣለዉ። ኣብ እቲ ቅኑዕ መሳለጥያታት ዘለዎ ቦታ ጀመርቲ ብመምሃራን ተሓጊዞም ምግላብ ፈረስ ክመሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ምግላብ ፈረስ ኣብ ዝበለጸ መሕለፊ ግዜ እዩ።

Kontakt Morger Rideklubb

Leder: Silje Vaagen
Telefon: 91130731
Mail: morgerrideklubb@yahoo.no
Kontaktperson: Silje Vaagen
Telefon: 91130731
Mail: morgerrideklubb@yahoo.no