Haukeli Jeger og Fiskarforeining

Litt om Jakt og fiske

 

Norges jeger og fiske-forbund – ናይ ኖርዋይ ክፍሊ ምህዳንን ምግፋፍ ዓሳን ማሕበር - ሃገራዊ ትካል ናይ ምህዳንን ምግፋፍ ዓሳን ትካል ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ኣስተዋጽኦ ዝገብር ኣብ ፍልጠት ናይ ምህዳንን ምግፋፍ ዓሳን እዩ። እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ዝገብሮ ነዚ ጸወታ ድማ ባዕሉ ባህሪ ነቲ ንሃድንን ንምግፋፍ ዓሳን ዘድሊ ነገራት ስለ ዘዳልዎ እዩ። እዚኦም ኢዮም ድማ እቶም ቀንድን ኣገደስትን ንጥፈታት ናይ ምህዳንን ምግፋፍ ዓሳን ናይዚ ማሕበር።

ምግፋፍ ዓሳን ዘንጉን ክበሃል ከሎ ምሓዝ ዝተፈላለዩ ዓሳታትን ኣብ ባሕሪ ወይ ጽሩይ ማይ ዝርከቡ እንስሳታትን እዩ። መግፈፊ ዓሳ በትርን ንውሕ ዝበለ ገመድን ኣብ ጫፉ ድማ ዓንቃሪቦ ዘለዎ እዩ። ከም መሕለፊ ግዜ ንጥቀመሉ ምግፋፍ ዓሳ ጸወታ ምግፋፍ ዓሳ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ገለ ካብቶም ኣገደስቲ ዓሌታት ዓሳታት ከም በዓል ፐርች(ኣብ ጽሩይ ማይ ዝርከብ ዓሳ)፡ ትራውት ዓሳን ኮድ ዓሳን ክጥቀሱ ይኽእሉ። ምህዳን ማለት ኩሉ ብዛዕባ ምድላይን ምትዃስን ወይ መጻወድያ ጌርካ እንስሳ ዘገዳምን የዕዋፍን ምሓዝ እዩ። ኩሉ ግዜ ኣብ መንጎ ንእሽተይን ዓብን ጸወታ ናይ ምህዳን ክንፈላልዮ ኣለና። ዝኾነ ሰብ ኣብ ናይ ምህዳን ውድድር ክሳተፍ ዝደሊ መጀመርታ ብዛዕባ ናይ ምህዳን ዝምልከት ኮርስ ተሳቲፉ ምስክር ሰርትፊኬት ብቁዕነት ናይ ምህዳን ክሕዝ ኣለዎ።

Kontakt Haukeli Jeger og Fiskarforeining

Leder: Kåre Hovden
Telefon: 99726270
Mail: haukelijff@nenett.no
Kontaktperson: Kåre Hovden
Telefon: 99726270
Mail: haukelijff@nenett.no