Grimstad SK - Landeveissykling

Leder: Guttorm Fevang
Telefon: 918 81 014
Kontaktperson: Guttorm Fevang
Telefon: 918 81 014

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Landeveissykling

ምዝዋር ብሽክለታ ናይ ውድድር ስፖርት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ህቡብ ዓይነት ምውስዋስ ኣካላትን መሕለፍ ግዜን እውን እዩ። ምዝዋር ብሽክለታ፡ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ቅርጺ መሬት ወይ ኣብ ጽርግያ ብሽክለታ ኽትዝውርን ጭዋዳታትካ ክትጥቀምን ዝሕግዝ ዓይነት ስፖርት እዩ። እተፈላለየ ዓይነት ምዝዋር ብሽክለታ እኳ እንተሎ፡ እቲ ዝውቱር ዝዀነ ግና ኣብ ጐደና፡ ኣብ በረኽቲ፡ ኣብ ናይ መቀዳደሚ ብሽክለታ ቦታ ዝግበር ዓይነታት ምዝዋር ብሽክለታ እዩ።

ምዝዋር ብሽክለታ ኣብ ጐደና፡ ቀጢን ጎማ ብዘለወን ፈኰስቲ ብሽክለታታት ይግበር። ኣብዛ ሃገር፡ ኣብ ሓደ ቦታ ዝጅመር፡ ፍጥነትካ ብሰዓታት ዝሕሰብ ወይ ኣብ ተኸታተልቲ መዓልቲ ዝግበር ግጥማት ማውንቴን ባይክ፡ ሓደ ኣትለት ኣብ እተፈላለየ ሓባጥ ጐባጥን በዳህን ቦታታት ዝገብሮ ናይ ብሽከለታ ውድድር እዩ። ናይ ነዊሕ ርሕቀት ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ዱርን ናይ ጸጸር መገድን እዩ ዝግበር። ናይ በረኽቲ ቦታ ብሽክለታታት (ማውንቴን ባይክ) ሰፊሕን ድልዱልን ጐማ ዘለወን ድልዱላት ዓይነት ብሽክለታ እየን። እተን ኣብ ናይ መቀዳደሚ ብሽክለታ ቦታ እትጥቀመለን ዓይነት ብሽክለታታት ግና ክሕምበብ ዝኽእል ፈኲስ ጐማ እዩ ዘለወን። ኣብ ናይ መቀዳደሚ ቦታ ዝግበር ቅድድም ብሽክለታ፡ ካብ ጣውላ፡ ወይ ከኣ ካብ ስሚንቶ ወይ ኣስፋልት ኣብ እተሰርሐ ናይ መቀዳደሚ ቦታ እዩ ዝካየድ። ቅድድም ብሽክለታ፡ ብውልቂ ወይ ብጋንታ እዩ ዝግበር።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja