ቤት ትምህርቲ ባህሊ፣ ብኮሙና ዝዋሃብ ንቖልዑን ንመናእሰይን ምስዘለዎም ክእለትን ዓቕሚን ዝኸይድ ዕድል ዝህብ እዩ። እቲ ኣማሃህራውን ኩሉ ሰብ ስምዒቱን፣ ሓሳቡን ዝመስሎ ራኢን ብጥበባዊ መንገዲ ክገልጽ ይግበኦ ካብዝብል እምነት ዝብገስ እዩ። ስለዚ እቲ ቤት ትምህርቲ፤ እቶም ተማሃሮ ብናይ ፈጠራ ንጥፈታት፣ ብውልቃዊ ዕቤትን ብስነ-ጥበባዊ ምዕባለን ታሕጓስ ዘሰጉም ስልጠና ክረኽቡ ኩነታት የጣጥሕ።
ተማሃሮ ነንውልቆም ዝሳማማዕ ዓይነት ትምህርቲ ይረኽቡ። ከምኡውን ብዝተፋላለዩ ዓይነታት መሳርሒ ሙዚቃ፣ ብትያትር፣ ብዝረአ ጥበብን ብኻልኦት መንገዲታት ኣጋላልጻን ናይ ምምሃር ዕድል ይረኽቡ። እቲ ቤት ትምህርቲ፣ ብናይ ተገባብሮ ጉጅለታትን ናይ ሓባር ምርኢታትን ኣቢሉ ብፍላይ ብኽልቲኡ ብስነ-ጥበባዊን ሰብኣዊን መዳይ ተገባብሮታት ከጣጥሕ ይደሊ እዩ።