#Vi Fritid | Eidsvoll Padelklubb

Eidsvoll Padelklubb

Leder: Jens Fogderud
Telefon: 92609908
Kontaktperson: Jens Fogderud
Telefon: 92609908

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Padel

ፓደል ወይ ፓደል ተኒስ ኣብ መክሲኮ ዝመበቈሉ ዓይነት ጻውቲ ራኬት እዩ። ናይ ጸወታታት ተኒስን ስኳሽን ድምር ጻውቲ እዩ፣ ኣብ ግዳምን ኣብ ውሽጥን ድማ ክጽወት ይከኣል እዩ። እቶም ተጻወትቲ ከም ልሙድ ክልተ ኣንጻር ክልተ እዮም፣ ግናኸ፡ ሓደ ኣንጻር ሓደ እውን ክትጻወቶ ይከኣል እዩ። እቲ ናይ መጻወቲ ሜዳ ልክዕ ከም ናይ ስኳሽ መንደቕ ኣለዎ፣ እቲ መርበብ ግና ልክዕ ከም ናይ ጻውቲ ተኒስ እዩ። እቲ ናይ መጻወቲ ራኬት ካብ ናይ ተኒስን ስኳሽን ይረጉድ፣ መጠኑ ንእስ ዝበለን ድልዱልን፡ ፍሕሶ ገመድ ዘይብሉን ድማ እዩ። እቲ ተጻዋታይ ነቲ ራኬት ጽቡቕ ገይሩ ኽቈጻጸሮ ድማ ይሕግዝ።

ከምቲ ተኒስ ክትጻወት ከለኻ ዘድልየካ ዓይነት ድልዳለን ክእለትን ኣብ ፓደል ኣየድልየካን እዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ ፓደል እተፈለለየ ክእለት ንዘለዎም ቈልዑን ዓበይትን ዝኸውን ጻውቲ እዩ ማለት እዩ። ብዙሓት ሰባት ንፓደል ተኒስ ጽቡቕ ገይሮም ይመልክዎ እዮም፣ እግረ መገዶም ከኣ ምውስዋስ ኣካላት ይገብሩ። ፓደል ናይ ክልተ ዓይነት ስፖርት ድምር እኳ እንተዀነ፡ ነዚ ዓይነት ስፖርት እዚ ክትጻወቶ ግና ተኒስ ወይ ስኳሽ ክትክእል ኣየድልየካን እዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja