Nesøya Speidergruppe

Leder: Annette Tomter Rød
Telefon: 924 46 497
Kontaktperson: Annette Tomter Rød
Telefon: 924 46 497

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Speiderne

ምንቅስቓስ ስካውት፡ ብሓርፋፍ ገምጋም ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኣስታት 40 ሚልዮን ሰባት ዘሳተፈ፡ ሓደ ካብ’ቶም ብዓለም ደረጃ ዝጥመቱ ዓበይቲ ህጻናትን መንእሰያትን ዝሓቘፉ ምንቅስቓሳት እዩ። ንጥፈት ስካውት ኣብ መላእ-ዓመት ካየድ ናይ ክፉት ደገ ንጥፈት ኰይኑ፡ ኣባላቱ ኣብ ናይ ሓባር መደባት ዘሳትፍ እዩ። ንጥፈት ስካውት ዘየኵረሎም ቀንዲ ዕላማታት ኣብ እዋን ምስልሳል ዕዮታት ምትሕብባርን እቲ እግረ-መገዱ ዝፍጠር ምሕዝነታዊ ጥምረትን እዮም፤ ማለት እንተላይ ንስግረ-ዶባዊ ምትእስሳር ብዝምልከት።

ከም ኣባላት ስካውት መጠን ምስ እትፈልጥዎምን ዘይትፈልጥዎምን ሰባት ክትዋስኡ ኢኹም። ንጥፈት ስካውት ብዛዕባ ምስ ናይ ቀደም ፈተውትኻን ሓደስቲ እትላለዮም ሰባን ኴንካ ምድሳትን ኣብ ናይ ደገ ሃዋህው ባህ ምባልን እዩ። ንጥፈት ኣካውት ንገዛእ-ርእስኻ ምብዳህ ይምህርን ብዙሓት ሓደስትን ኣገደስትን ንጥፈታት የላሊን። ናብ መገሻታት ክትከዱ፣ ኣብ ናይ ስካውት ካምፖ ክትኣትዉን ካልእ ንጥፈት ከተካይዱን ኢኹም። ሓደ ኣባል ስካውት ብዛዕባ ተፈጥሮ፡ ድሕነትን ቀዳማይ ረድኤትን ይመሃር። ንጥፈት ስካውት ኣብ ውልቀ-ምዕባለ፡ ርእሰ-ምርኮሳን ምህናጽ ኣምር ሓላፍነታዊነትን እውን ናይ ገዛእ-ርእሱ ኣበርክቶ ኣለዎ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja