Nesøya IL - Håndball

Leder: Karine Jebsen
Telefon: 461 30 728
Kontaktperson: Karine Jebsen
Telefon: 461 30 728

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Håndball

ናይ ኢድ ኩዑሾ ኣብ ውሽቲ ካንሸሎ ዝጽወት ዓይነት ስፖርት ኮይኑ፡ ኣብ ሜዳ ኣብ ክልተ ጫፋቱ ቦርታ ናይ ጎል ዘለዎ ኢዩ። ኣብዚ ዓይነት ጸወታ ክልተ መወዳድርቲ ጋንታታት ኣለዋ፡ ዕላማ ናይዚ ጸወታ ድማ ኣብ ናይ ኣንጻርካ ቦርታ ክሳብ ከተእትዎ እትኽእል ጎላት ምእታው ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ጋንታ ሸውዓተ ተጻወትቲ ኣለዋ። ሓደ ካብኣቶም ሓላዊ ልዳት ክኸውን ከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ሽዱሽተ ተጻወትቲ ድማ ኣብቲ ሜጻ ተጻወትቲ ኢዮም።

ናይ ኢድ ኩዑሾ ብኢድና ኢና ንጻወቶም፡ ኣብቲ ናይ ጎል ቦታ ወይ ቦርታ እቲ ሓላዊ ልዳት ብዝኾነ ክፋል ናይ ነፍሱ ክመልሳ ይፍቀዶ ኢዩ። ነታ ኩዑሾ ደቂ ሓንቲ ጋንታ ምስ ሓዝዋ ብኢዶም ናብ ካልእ ወዲ ጋንትኦም ከሕልፍዋ ይኽእሉ። እቲ ተጻዋታይ ነታ ኩዑሶ ሒዝዋ ዘሎ ቅድሚ ምስዳዱ ወይ ነታ ኩዑሶ ጠረብ ምባሉ ሰለስተ ስጉምቲ ክኸይድ ይኽእል ኢዩ። ናይ ኢድ ኩዕሾ ቅልጡፍ ጸወታ ኮይኑ እተን ጋንታታት ተደጋጋሚ ኣብ ምጥቓዕን ምክልኻልን ተጸሚደን ይውዕላ። እዚ ጸወታ ኣብ ክልተ ዝተከፍለ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ክፋል ሰላሳ ደቃይቅ ዝሓዘ ኢዩ። እታ ዝበዝሓ ጎላት ዘእተወት ጋንታ ኣብዚ ጸወታ ክልተ ነጥቢ ትወስድ። ማዕረ ምስ ዝወጻ ነፍሲ ወከፍ ካብተን ጋንታታት ብማዕረ ነጥቢ ሓሓደ ይኻፈላ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja