IL ROS - Friidrett

Leder: André Hjorteseth
Telefon: 400 03 122
Kontaktperson: André Hjorteseth
Telefon: 400 03 122

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Friidrett

እዚ ዓይነት ስፖርት ዝተፈላለዩ ዓይነታት ስፖርት የጠቃልል። ንኣብነት ጉያ፡ ኣነጣጣር ከምኡ’ውን ምስንዳው የጠቃልል። ነዚ ዓይነት ስፖርት መጻወቲ ዝኸውን ዕጹው ከባቢ ኮይኑ ናይ 400 ሜትሮ መጉየዪ ቦታን፡ ብሳዕሪ ዝተሸፈነ ሜዳን የድልዮ። ገሊኦም ስፖርትታት ድማ ኣብ ዕጹው ገዛ ክጽወቱ ይኽእሉ ኢዮም።

ኣብ ጉያ እግሪ ተወዳደርቲ ኩሎም ብሓንሳብ ብምጅማር እቲ ነታ ናይ መጨረሽታ መዓወቲት መስመር መጀመርታ ዝረገጻ ተዓዋቲ ይኸውን። ብዙሓት ዝተፈላለዩ ዓይነት ጉያ ስፖርት ኣለዉ እቶም ቀንድን ፍሉጣትን ናይ ሓጺር ርሕቐት ጉያ፡ ናይ ምቅብባል ጉያ ከምኡ’ውን መሰናኽል ዘለዎ ጉያ። ናይ ሓጺር ርሕቐት ጉያ ተወዳደርቲ ናይ ግድን ብዝቀልጠፈ ፍጥነት ነቲ ናይ ሓጺር ርሕቐት ውድድር ክውድእዎ ኣለዎም። ናይ ምቅብባል ጉያ ድማ ብብዙሓት ሰባት ዝቆመ ጋንታ ጉያ ኮይኑ በትሪ ብምቅብባል ክሳብ ናይ መወዳእታ መስመር ዝበጽሕ እቲ ናይ መጨረሽታ ተቀባሊ ይካየድ። መሰናኽል ዘለዎም ጉያ ድማ ተወዳደርቲ ሓደ ዓይነት ርሕቐት ዘለዎም ዕንቅፋታት(መሰናኽላት) እንዳ ዘለሉ ካብ መስመሮም ከይወጹ ነቲ ውድድር የካይድዎ። እዚ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዝሓዘ ዓይነት ስፖርት ብጣዕሚ ኣዘናጋዕትን ኣጻወትትን ዝኾኑ ዓይነታት ስፖርት ዝሓዘ ኢዩ፡ ንኣብነት ናይ ነዊሕን ላዕልን ምንጣር፡ ጃፍሊን(ምስንዳው ሓጺን)፡ ዲስካስ(ጽፍሕ ዝበለ በትሪ ምድርባይ)፡ ሾት ፑት(ምድርባይ ከቢድ ሓጺን ነዊሕ ርሕቐት)፡ ሃመር(ሓጺን 7.2 ኪ.ግራምስ ዝሚዛኑ ክብደት ዘለዎ ምስንዳው)፡ ፖል ቮልት(ምንጣር ብነዊሕ በትሪ ተሓጊዝካ)፡ ረይስ ዎክ ኤንድ ሆፕ(ቅድድም ጉያ ግን ናይ ግደን ክልቲኡ ኣግርካ ኣብ መሬት ክትንክፍ ኣለዎ)፡ ስኪፕ ኤንድ ጃምፕ(ጠለይ ጠለይ ጸወታ) የጠቃልል።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja