Leder: Thorbjørn Liell
Telefon: 952 07 555
Kontaktperson: Jostein Skare
Telefon: 991 08 000

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

EC Play

ኢሲ ፕለይ፡ ኵሉ ክጻወት ይኽእል እዩ ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ኵሉ ሰብ፡ ኣተዓባብያኡ ብቕዓቱን ብዘየገድስ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ጕጅለ ኢሲ ፕለይ ክጻወት ይኽእል እዩ። እቲ ሸቶ፡ ጽቡቕ ናይ ምዝንጋዕ ግዜ ንምሕላፍ ከምኡውን ቈልዑ ብሙዚቃ ዝመጸ ናይ ሙዚቃ መሳርሒ ክመልኩን ክሕጎሱን ዕቤት ክገብሩን ምስ ካልኦት ክሕወሱን ባዕሎም ለውጢ ናይ ምግባር ክእለት ከጥርዩን ንምሕጋዝ እዩ። ክትመርጾ እትኽእል ናውቲ ሙዚቃ፡ ፒያኖ፡ ጊታር፡ ኡኩለለ፡ ቫዮሊን፡ ባስ ጊታር፡ ከበሮ፡ ምድራፍ። ኣብ ዝደለኻዮ እዋን ናውቲ ሙዚቃ ቀይር። ነቲ ኢሲ ፕለይ (EC-Play) ዝብሃል ኣፕሊኬሽን ንጥቀም ኢና። ደድሕሪ ትምህርቲ ምውዳኡ፡ ኣብ ሰሙን 1 እዋን ን1 ሰዓት ንጻወት ኢና። ኣብ ምድራፍን ኮርዮግራፍን ተራጻሚ መሳርያን ፍርያት ሙዚቃን ወዘተ ብዛዕባ ዘሎ ጸገማት እውን ንዘራረብ ኢና።

እቶም ዝያዳ ተገዳስነት ዘለዎም ዝያዳ ኽምሃሩ ዘድልዮም ቈልዑ፡ ማስተር ክላስ ከምኡውን ኔክስት ለቨል ናብ ዝብሃል ናይ ሙዚቃ ጕጅለታት ክጽምበሩ ዕድመ ይቐርበሎም እዩ፣ እዚ ኵሎም እቶም ኣብ ኣስከር ዝርከቡ ኣብ ኢሲ ፕለይ ዝሳተፉ ቈልዑ ክረኽብዎ ዝኽእል ዕድመ እዩ። ናይ ክረምቲ/ሳመር ዕረፍቲ ቅድሚ ምጅማርና፡ ኵሎም ኣብ ኣስከር ዘለዎ ኣብ ኢሲ ፕለይ ዝጻወቱ ተጻወትቲ ዝሳተፉሉ ናይ ኢሲ ፕለይ ፌስቲቫል ንገብር ኢና። እዚ ድማ ኣብ ናይ ኣስከር ባህላዊ ኣዳራሽ ዝግበር «ዝዓበየ ምርኢት ሙዚቃ» እዩ። ኣብ ግዜ ናይ ትምህርቲ ዕረፍቲ እውን ናይ ሙዚቃ ካምፕ ነዳሉ ኢና። ኢሲ ፕለይ ናይ ቤት ትምህርቲ ባንድ ኣብ ብዙሕ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣሎ፣ ቤት ትምህርትኻ ከምዚ ዘለዋ እንተ ዀይኑ ንምግላጥ ኣብ ወብ ሳይትና ርአ። ቤት ትምህርትኻ ኣብቲ ዝርዝር ክትረኽባ እንተ ዘይክኢልካ፡ ምሳና ተራኸብ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja