Barnas Turlag Røyken og Hurum

Leder: Eivind Melum Stølan
Telefon: 920 20 011
Kontaktperson: Eivind Melum Stølan
Telefon: 920 20 011

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Barnas Turlag

ናይ ጉዕዞ ማሕበራትን ክለባትን ንዝኾነ ሰብ ኣባል ክኸውን ዝደሊ ክፉት እዩ። ዕላማኡ ድማ ዝግበር ስርሓት ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ዝግበሩ ናይ ደገ ንጥፈታት ብዛዕባ ተገዳስነት ናይ ከባብን እቲ ቀዳማይ ቴማ ናይዚ ማሕበር እዩ። ኣብ ግዜ ዕረፍቲ ዝግበር ንጥፈታት ናይ ደገ ማለት ልክዕ ከም ስሙ ዝሕብሮ፡ ሓደ ነቲ ናይ ዕረፍቲ ግዚኡ ተጠቂሙ ዝኾነ ናይ ኣካላዊ ንጥፈታት ኣብ ደገ ክገብር ከሎ፡ ንኣብነት ንጥፈታት ከም በዓል ጉዕዞ ኣብ ገጠራት፡ ምጅላብ ብጃልባ ናይ ምንሽርታት ዙረትን ናይ ብሽግለታ ጉዕዞን ኣብተን ጽቡቓት ገጠራት ናይ ሃገርና ኖርወይ የጠቃልል።

ከም ኣባል ናይዚ ክለብ ወይ ማሕበር ኴንካ፡ ነዚ ዕድል እዚ ተጠቂምካ ብዙሓት ኣጋጣሚታት ኣብ ዝተፈላለዩን ምልኩዓትን ዙረታት ተሳቲፍካ ማሕበራዊ ተመኩሮታት ከተማዕብልን፡ ፍልጠት ብዛዕባ ኣትክልትን እንስሳታትን’ውን ንከተኻዕብት ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እዚ ክለብ ብዙሓት ጉዕዞታት ኣብዚ ጽቡቅ ኣቃውማ ሃገርና ኖርዋይ የዳሉ፡ ገሊኦም ስጋብ ናይ ለይቲ ጉዕዞ ዝጸንሑ ኢዮም። እዞም ዑደታት ብሃብታም ተመኩሮ ዘለዎም ክኢላታት ኣቀዲሞም ቅድመ ምድላዋት ዝገብሩ ቅድሚ እቲ ጉዑዞ ምጅማሩ፡ በኣኣቶም ኢዩ ዝምራሕ። ናይ ኖርወይ ማሕበረሰብን እዚ ክለብን ዝተፈላለዩ ኮርሳት ኣዳልዩ ንዝኮነ ሰብ ክሳተፍ ንዝደሊ ክፉት ምዃኑ ክሕብር ይፈቱ። ገለ ካብቶም ኮርሳት ምሕዃር ኣብ ኣጻድፋት፡ ኣጠቃቅማ ካርታን ኮምፓስን፡ ከምኡ’ውን ናይ ግድን ሕክምና ቀዳማይ ረዲኤት።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja