Asker Røde Kors - Besøksvenn

Leder: Egil Rollheim
Telefon: 909 734 63
Kontaktperson: Egil Rollheim
Telefon: 909 734 63

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Røde Kors - Besøksvenn

ምብጻሕ ዝገብር ዓርኪ (ቤሶክቨን) ዝብሃል፡ ነቶም ብእተፈላለየ ምኽንያት ምስ ካልኦት ሰባት ክራኸቡ ዝደልዩ ሰባት ካልእ ሰብ ክበጽሖም ዝግበር ምድላው እዩ። ናይ ቀይሕ መስቀል ምብጻሕ ዝገብር ዓርኪ፡ ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ብጽምዋ እተበልዑ ሰባት መዓልታዊ ህይወቶም ክቐልለሎም ይሕግዝ። ኣብ መላእ እዛ ሃገር፡ ንሰባት ኣብ ውልቃዊ ኣባይቶምን ኣብ ትካላትን ዝበጽሑ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣባላት ምብጻሕ ዝገብር ዓርኪ ኣለዉ። መብዛሕትኦም ምብጻሕ ዝገብር ዓርኪ፡ ኣብ ሰሙን ንሓደ ወይ ንኽልተ ሰዓት ኣዘቲሮም ምብጻሕ ዝገብሩሉ ሰብ ኣለዎም።

እቲ ምብጻሕ ዝገብር ዓርክን እቲ ዝብጻሕ ሰብ ብሓባር ኰይኖም እዮም እንታይ ከም ዝገብሩ ዝውስኑ። ብሓንሳእ ብእግሮም እናተጐዓዙ ይዘናግዑ፡ ካልእ ማሕበራዊ ንጥፈታት ይገብሩ፡ ወይ ከኣ ንኸዕሉሉ ጥራይ ይራኸቡ። እታ ኣብ ሰሙን ምስ ምብጻሕ ዝገብር ዓርኪ እተሕልፋ ናይ ቡን ግዜ፡ ክትገልጾ ወይ ክተወዳድሮ ዘይትኽእል ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዋ። እቶም ናይ ምብጻሕ ኣዕሩኽ፡ ምስ ካልኦት ብሓባር ዝግበር ማሕበራዊ ንጥፈታት እውን የዳልዉ እዮም። ንኣብነት፡ እተፈላለየ ምትእኽኻባት፡ ዑደታት፡ ጕዕዞታት፡ ስፖርታዊ ክለባት፡ ካልእ ንጥፈታትን የዳልዉ እዮም። እዚ ናይ ምብጻሕ ኣገልግሎት፡ ቀጻሊ ዝምዕብልን፡ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝፈጥርን እዩ። ናይ ቀይሕ መስቀል ምብጻሕ ዝገብር ከልቢ ሒዙ ዝመጽእ ዓርኪ፡ ኣብ ትካላትን ውልቃዊ ኣባይትን ንዘለዉ ሰባት ድሕንነትን ሓጐስን ዝፈጥር እዩ። እዚ ከልቢ ሒዝካ ንኻልኦት ዝግበር ምብጻሕ ድማ «ብእንስሳ ዝግበር ሓገዝ» ይብሃል።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja