Asker Fleridrettslag

Leder: Marcus Nilsson
Telefon: 93009040
Kontaktperson: Sanna Antell, Daglig Leder
Telefon: 98176329
 

Allidrett

ኣልኢድረት (ኵሉ ዓይነት ስፖርት) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ቈልዑ ንዅሉ ዓይነት ስፖርት ኣብ እተፈላለየ ቦታታት፡ ንኣብነት ኣብ ኣዳራሽ ስፖርት፡ ኣብ ጫካ፡ ኣብ ጎልጎል፡ ኣብ በረድ፡ ወይ ኣብ ማይ ክፍትንዎ ዝሕግዝ ዓይነት ናይ ስፖርት ቤት ትምህርቲ እዩ። እቲ ዕላማ ድማ፡ ቈልዑ ምስ ናይ ዕቤት ደረጃኦም ብዝሰማማዕ መገዲ ብጻውትን ካልእ ንጥፈታትን ኣቢሎም መሰረታዊ ዕቤት ክገብሩ ንምሕጋዝ እዩ። ናይ ስፖርት ኣብያተ ትምህርቲ ብመድብለ ስፖርት ጋንታ፡ ብጋንታታት ፍሉይ ስፖርት ወይ ከኣ ብምትሕብባር እተፈላለያ ጋንታታት ስፖርት ክዳሎ ይኽእል እዩ።

እቶም ቈልዑ ንጡፍ ህይወት ክህልዎም ጽቡቕ መሰረት ይረኽቡን ኣብ መላእ ዓመት ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን እተፈላለየ ንጥፈታት ክፍትኑ ኣጋጣሚ ይረኽቡን እዮም። እቲ እተፈላለየ ዓይነት ዘለዎን ተዓጻጻፊ ዝዀነን ንጥፈታት፡ ቈልዑ ምስ ዓበዩ ኣብ እተፈላለየ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክሳተፉ ጽቡቕ ጅማሮ ይዀኖም ከምኡውን ብኣካላውን ኣእምሮኣውን ማሕበራውን ስነ ልቦናውን መዳያት ይጠቕሞም እዩ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja