Arnestad Skolekorps

Leder: Merete Pedersen
Telefon: 913 46 002
Kontaktperson: Bente Illevold
Telefon: 417 67 398

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Korps

ናይ ሙዚቃ ወይ ጉጅለ ሙዚቃ ዝበሃል ናይ ሙዚቃ ማሕበር ኮይኑ ወይ ኦርኬስትራ(ናይ ሙዚቃ ወይ ትያትር ቦታ) ኣባላት ዘለውዎ ኮይኑ ኩሉም እቶም ኣባላት ዝተፈላለየ መሳርሒታት ሙዚቃ ተጠቂሞም ሙዚቓ ክጻወቱ ከለዉ ኢዩ። ዝኾነ ሰብ ኣብ ከምዚ ዓይነት ማሕበር ከመይ ጌርካ መሳርሒ ሙዚቃ ከም ትጻወት ክመሃር ይኽእል፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ ማሕበር ኣባል ብሙኻን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን ዙራታትን ክጽንበር ይኽእል። ንኣብነት ኣብ ግንበት 17ን ኣብ ካልኦት ፍልይ ዝበሉ ባዓላትን ኣብ ጎደናታት ከምዚኦም ዓይነት ሙዚቀኛታት ክሳተፉ ክትርእይ ኢኻ። እዞም ሙዚቀኛታት ዝተፈላለየ ሕብሪ ዘለዎም ድቢዛታት ብምክዳን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ምዚቃ ትልሂታት ዘለዎ ኣጋጣሚታት ክጻወቱ ትርእዮም።

ሙዚቀኛታት ኣብ ናይ ሙዚቃ ጸወታ ሻምብቆን(ሳክስፎን)፡ ብምግጫው ድምጺ ዝፈጥሩ መሳርሒ(ጃስ) ሙዚቃን ብምጥቃም ሙዚቃ ይጻወቱ። እዚ ኩሉ መሳርሒታት ተወሃጉዱ ብጣዕሙ ሰሓቢ ዝኾነ ሙዚቃ ይፈጥሩ። ዝተፈላለዩ ዓይነት ሻምብቆታት(ሳክስፎናት) ኣብ ናይ ሙዚቃ ጸወታ ንጥቀመሉ። ናይ ሻምብቆ(ሳክስፎን) ናይ ሙዚቃ መጻወቲ እቲ ሙዚቀኛ ክነፍሖም ከሎ ውሁድ ሙዚቃ ይፈጥሩ። ድራምን(ከበሮታትን) ሲምባልስን(ጃስ) ካብቶም ቀንዲ ብምግጫው ወይ ብምህራም ሙዚቃ ዝፈጥሩ መሳርሒ ሙዚቃ ኢዮም። ዝኾነ ሰብ ናብ ናይ ሙዚቃ ማሕበር ክጽንበር ይኽእል ኢዩ። እንድሕር ሙዚቃ ክትመሃር ደሊኻ ናይ ግደን ብዛዕባ ሙዚቃ ምንባብ ወይ ምፍላጥ ኣየድልየካን ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ መሳርሒ ሙዚቃ ካብቲ ማሕበር ሙዚቃ ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja